ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓጋዚት ኮሚሽነር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወረዳ 4 ኣብ ዝርክብ ጣቢያ መረፃ ብምርካብ ድምፅ ሂባ።
እታ ኣትሌት መረፃ በቢሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዘ ዝመፅእ ብምዃኑ ህዝቢ ይሰርሐለይ፣ ይውክለኒ ንዝብሎ ኣካል ብዝተመቸዎ መገዲ ዝመርፀሉ ፍሉይ ዕለት ኢዩ ኢላ።
ብመረፃ ድምፂ እንትህብ እዚ ን7ይ ግዘ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብዚ ዓመት መረፃ ንዕድመ ዝበፅሑ ደቃ ኣኸቲላ ብሓባር ድምፂ ምሃባኣዚዩ ከምሕጎሳን ዝተፈለየ ከምዝኾነን ተዛሪባ።
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision