ርዳእታ ትቕበል ሃገር ሉኣላዊት ኢየ ክትብል ኣይትኽእልን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ርዳእታ ትቕበል ሃገር ሉኣላዊት ኢየ ክትብል ኣይትኽእልን ኢሎም፡፡

4ይ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸፊቱ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ብኹሉ መዳይ ምፍራይ ሉኣላዊነት ዘጎናፅፍ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ዘበናዊ ዱኽዒ ምፍራይ እንተዘይተኻኢሉ ከይዲ ፍርያት ሕርሻ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ሰባት ምውዳቑ ኣይተርፍን ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ንእታወት ምግቢ ዝኾኑ መሳርሒታት መፍረዪ፣ ምሩፅ ዘርኢ ዘበናዊ ዱኽዑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ዝተማለአ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም፡፡

ነዳዲን ጋዝን ምፍራይ ብዘይምኽኣልና ብዙሕ ፈተና ገጢሙና ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ብዙሕ ሃፍቲ ነዳዲን ጋዝን ከምዘለወን ሃገራት ልዑል ዓቕሚ የሃልዋ እምበር ክሳብ ሕዚ ምፍራይ ብዘይምኽኣልና ተፀጊምና ኢና ክብሉ እውን ኣብሪሆም፡፡

21 ትሊየን ሜትሪክ ኪዩብ ጋዝ ዘለዋ ሃገር እዚ እንተየፍረየት ብምፅናሓ ትራንስፖርትን ኢንዱስትሪን ክርበሽ ተገዲዱ ኢሎም፡፡

ብኹሉ መዳይ ምፍራይ ሉኣላዊነት ምርግጋፅ ከምዝኾነ ብምእማን ትልሚ ምውፃእ፣ ምስራሕን ክነስፍሕን ይግባእ ኢሎም፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment