ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ምጥያሽ ሓበራዊ ፎረም ስግግር ፍትሒ ሚኒስቴር ፍትሒን ትካላት ሲቪል ማሕበራትን ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያስላሴ ኣብቲ እዋን፤ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንምድላው ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ መፅናዕቲን ምኽክርን ክካየድ ከም ዝፀንሐ ኣዘኻኺረን።
በዚ ድማ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብዙሓት መድረኻት ከም ዝተኻየዱን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ሓሳባት ከም ዝተኣከቡን ገሊፀን።
እቲ ፖሊሲ ብቤት ምኽሪ መንግስቲ ድሕሪ ምፅዳቑ ንተግባራዊነቱ ዘድልዩ ሕጋዊ ማዕቐፋት ናይ ምድላው ስራሕ ከም ዝተኻየደ ኣመልኪተን።
ከይዲ ፍትሒ ሽግግር፣ ብሰንኪ ግጭታት ዝተፈጠሩ ቂምታት ንምፍታሕ፣ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዳግም ከይፍፀም ንምክልኻልን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ወሳኒ ምዃኑ ገሊፀን።
እቲ ከይዲ ስግግር ፍትሒ መበገሲ ምኽንያታት ጎንፂታት ፈሊኻ ንምፍታሕ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ዝተኣከቡ ቅርሕንቲታት ንምውጋድን ዳግም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ከይፍጠሩ ንምክልኻልን ኣድላዪ ምዃኑ ኣብሪሀን።
ስራሕቲ ስግግር ፍትሒ ምስ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ብምውዳድ፣ ፃዕሪ ህንፀት ሰላም እታ ሃገርምጥንኻ ከም ዘድሊ እውን ኣመልኪተን።
ኣብ ቀፃሊ እቶም ሕጋዊ ማዕቐፋት ብተሳትፎ ህዝቢ ኣጠናቒቕካ ናይ ምፅዳቕ ስራሕ ከም ዝካየድን ኣብቲ ፖሊሲን ሕግታትን ዝተጠቐሱ ትካላት ብምጥያሽ ናብ ተግባራዊ ኣፈፃፅማ ከም ዝእቶን ኣብሪሀን።