ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግም ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና – ተጠቀምቲ

ኣዲስ ኣበባ 1 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ኣዚና ተሓጒስና ኢሎም ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ 1 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ናብ ከተማ መቐለ ዳግማይ በረራ ከም ዝጅምር ብዝገለፆ መሰረት ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሎሚ መዓልቲ እዕሊ ጀሚሩ።

ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኣውሮፕላን እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዓሪፋ።

ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ስዒቡ ድማ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብርካብ ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ንምቅልጣፍን ዘለዎ ቆራፅነትን ተግባራዊ ስጉምቲን ብግልፂ ዘርኢ እዩ ኢሎም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ምጅማሩ ኣብቲ ክልል መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንዝግበር ፃዕሪ ከም ዘቀላጥፎ እውን ተዛሪቦም።

ተጠቃሚ እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ኣሸናፊ ፀጋይ፤ ንስራሕ ጉዳይ ናብ መቐለ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እቲ በረራ ብምቁራፁ ንፀገም ዋላ ተቓሊዖም እንተፀንሑ ሐዚ እቲ ኣገልግሎት ብምጅማሩ ዓቢዪ ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።

ምጅማር ኣገልግሎት በረራ እቲ መንገዲ ኣየር ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ኩለ መደያዊ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ስጉምትታት ሓደ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

እቲ ክልል ንሕፅረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ኣቑሑት ተቓሊዑ ምፅንሑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣሸናፊ፤ መንግስቲ ፌደራል ሐዚ ዝጀመሮ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ከም ዘፅንዕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣይተ ናትኤል ሰለሞን ብወገኖም፤ ኣገልግሎት በረራ ዳግም ብምጅማሩ ኣዝዮም ሕጉስ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝተጀመረ ዘበረታትዕ ኣገልግሎት በረራ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እምነቶም ገሊፆም።

ኣገልግሎት በረራ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰምዖም ልዑል ደስታ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ንህዝቢ እቲ ክልል ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ዝበሉ ድማ ኣይተ ሃድራት ኮት ዝተብሃሉ መገደኛ እዮም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment