ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስራሕቲ ደኒን ክሊማን ንምዕባይ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስራሕቲ ደኒን ክሊማን ንምዕባይ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፃ።

ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ምድላው መራሕቲ ኮፕ31 “ደኒታትን ስጉምቲታት ሓለዋ ክሊማን፡ ኣበርክቶ ደኒታት ኣብ ምፅዋር ለውጢ ክሊማ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዓለም ለኸ ስራሕቲ ደኒን ክሊማን ንምዕባይ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፃ ኣላ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ብሄራዊ ስትራቴጂ በረከት ፍስሃፅዮን፤ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ልዕሊ 56 ቢልየን ፈልሲ ዝተተኸለሉ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘምፀኦ ለውጢ ኣዘኻኺሮም።

ደኒታት ንፅንዓት ክሊማ፣ ንሓለዋ ብዙሕነት ህይወት፣ ንዘላቒ ፍልፍል መነባብሮን ዕድላት ሓምለዋይ ስራሕን ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎም ገሊፆም።

ኢትዮጵያ መተኣናገዲት ሃገር ኮፕ32 ብምዃና ዝዓረቑ መሬታት ደኒ ዳግም ንምልማዕ ዘካይደቶ ስራሕ ንምቅልጣፍን ክሳብ 2030 ዓ.ም ጨፍጫፍ ደኒ ንምቁራፅን ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊፆም።

ዝተቐመጠ ዕላማ ንምዕዋትን ጨፍጫፍ ደኒ ንምግታእን ልዑል ዓለም ለኸ ሽርክነት ኢንቨስትመንት ሓባራዊ ስራሕን ንኽህሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #fanamediacorporation

Comments (0)
Add Comment