ዓንዲ ፅንዓት፤ ዘበን ዝተሳገረ ትካል – ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝኾነት ሃገር ኢኮኖሚያዊ ዕቤት፣ ድሕነትን ዘላቒ ህልውናን ንምርግጋፅ ጥንኩርራት ትካላት ዘለዎም ግደ ዝትካእ ኣይኮነን።

ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዕዉት ንኽኸውንን ዘተኣማምን መሰረት ክሕዝን ዝኽእል፤ ኣብ ጥንኩር ውዳበን ፅኑዕ ትካላዊ ክብሪታትን እንትህነፅ ጥራሕ እዩ።

ንዘላቕነት ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ዝኾነ ግዝያዊ ግደ ውልቀሰባት ወይ እውን ከይዲታት ምልውዋጥ ፖለቲካ ዘይኮነስ፣ ንዘበናት ተሳጊሮም ንሃገርን ህዝቢን ብተኣማንነት ከገልግሉ ዝኽእሉ ትካላት ምፍጣር እዩ።

ብፍላይ ሉኣላውነት ሃገርን ሰላም ህዝቢን ኣብ ምሕላው ቀዳማይ ግደ ዝወስድ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ብዘበናዊ መልክዑ ተወዲቡን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝሰጋገሩ ክብርታት እንተተሃኒፁ፣ ንዘላቒ ሃገራዊ ህልውና እሙን ውሕስነት ክኸውን ይኽእል።

ስርዓታት ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ክቕየሩ ይኽእሉ፤ ሃገር ግን ብፅንዓት ትቕፅል። ነዚ ሃገራዊ ፅንዓት ናይ ምሕላው ዓብዪ ሓላፍነት ድማ ሻራዊ ኣብ ዘይኮነን፣ ሞያዊ ብቕዓትን ፅኑዕ ውዳበን ዝተመስረተ ሰራዊት ዝሽከሞ ሃገራዊ ሓደራ እዩ።

ብመንግስቲ መደመር ዝተወስዱ ቆራፅ ስጉምትታትን ዝተኻየዱ ትካላዊ ምምሕያሻትን፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ኣብዚ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝሰጋገር መሰረት ንምትካል ዝዓለሙ እዮም።

እዞም ፃዕርታት እዚኦም ሰራዊት ካብ ዝኾነ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ግዝያዊ ድሌትን ንላዕሊ ኮይኑ፣ ሉኣላውነት ሃገርን ድሕነት ህዝቢን ብብቕዓት ክሕሉ ዘኽእሎ ትካላዊ ዓቕሚ ንኽሃንፅ ገይሮምዎ።

ዋና ዕላማ እቲ ሪፎርም እቲ ትካል ካብ ዝኾነ ውልቃዊ ወይ እውን ስርዓታዊ ድሌት ንላዕሊ ፀኒዑ ክቐውም ዘኽእሎ ዘበናዊ ኣወዳድባን ሞያዊ ብቕዓትን ምጉልባት እዩ።

እዚ ማለት ፖለቲካዊ ወይ ስርዓታዊ ለውጢ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እውን እቲ ትካል ከይተናገዐ ሃገር ናይ ምፅናዕን ድሕነት ህዝቢ ናይ ምሕላውን ሓላፍነቱ ብብቕዓት ክዋፃእ እዩ።

ትካላት ኣብ ድሌት ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ዘይኮነስ፤ ኣብ ሕጊ፣ ሞያዊ ክብርታት፣ ከምኡ እውን ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ህዝቢን እንትምስረቱ ትውልዲ ተሻጋራይነቶም ከረጋግፁ ከም ዝኽእሉ ሰራዊት ምክልኻል ምስክር እዩ።

እቲ ብመንግስቲ መደመር እናተሃነፀ ዝርከብ ትካላዊ ዓቕሚ፤ ሰላምን ድሕነትን ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ንፅባሕ ትውልዲ እትሰግር፣ ዝተረጋግአትን ሓፈሻዊ ዕቤታ ዝተረጋገፀን ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትካላዊ ዓቕሙን ሓይሊ ውግኡን ዘረጋግፅ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ቴክኖሎጂ ዘበኑ ዝጠልቦ፣ ምስ ፍቕሪ ሃገርን ህዝባዊነትን ብምውህሃድ ንዘላቒ ህልውና ንፅባሕ እትኸውን ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ዓምዲ ፅንዓት እዩ።

ብመልካም ፈቃዱ

Comments (0)
Add Comment