ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብዘካየደቶም ምምሕያሻት ዘፈር ጥዕና ቀረብ መድሃኒታት ውሽጢ ሃገር ካብ 8 ሚእታዊ ናብ 44 ሚእታዊ ምዕባይ ተኻኢሉ ኢሉ ሚኒስትር ጥዕና መቅደስ ዳባ (ዶ/ር)።
መበል 19 ዓለም ለኸ ጉባኤ ሰንሰለት ቀረብ እታዎታት ሕክምና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
መቅደስ ዳባ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘፈር ጥዕና ካብ ዝተሰርሑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ፤ መሰረተ ልምዓት ትካላት ጥዕናን ተበፃሕነቶምን ምምሕያሽ፣ ቀረብ መሳርሒታት ሕክምናን መድሃኒታትን ምዕባይ፣ ከምኡ እውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ ጥዕና ምህናፅ ከምዝርከቡዎም ተዛሪበን።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ቀረብ መድሃኒታት ውሽጢ ሃገር ካብ 8 ሚእታዊ ናብ 44 ሚእታዊ ምዕባይ ከምዝተኻኣለ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣፍሪካ ኣብ 2040 ዓ.ም.ፈ 60 ሚእታዊት ድሌት መድሃኒታታ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ንምሽፋን ዝሓዘቶ ትልሚ ልዑል መሰረት ከምዝኸውን ኣመልኪተን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ንምዝማንን ኣፈፃፅማ እቲ ዘፈር ንምምሕያሽን ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበሩ ኣሰራርሓታት ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሀን።
ምስ ዘፈር ጥዕና ቀጥተኛ ርክብ ዘለዎም ትካላት ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምትእስሳር ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣመልኪተን።
እቲ ጉባኤ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ምትሕብባር ዝተፈላለዩ ኣካላት ንምዕባይን ተሞኩሮ ንምልውዋጥን ልዑል ተራ ከምዘለዎ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።