ስፓርት
ፓትሪክ ዶርጉ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ሜጋ ዘርሕቖ ጉድኣት ኣጋጢሙዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዴንማርካዊ ተፃዋታይ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ፓትሪክ ዶርጉ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ተሓቢሩ።
እቲ ተፃዋቲ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንኣርሰናል 3 ን 2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ዘደንቕ ሸቶ ምምዝጋቡ ይዝከር።
ኣብቲ ፀወታ ጉድኣት ኣተኣናጊዱ ካብ ሜዳ ዝወፅአ ዶርጉ፥ በዚ ድማ ክሳብ 10 ሰሙን ካብ ሜዳ ክርሕቕ ከምዝኽእል ዘ ኣትሌቲክ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna…
Read More...
ቅዱስ ጊዮርጊስን ምድረ ገነት ሽረን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 17 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ምድረ ገነት ሽረን ብዘይሸቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ እንተየመዝገባ ወፂአን፡፡
ኣብቲ ፀወታ ተፃዋታይ ምድረ ገነት ሽረ ስንታየሁ ወለጬ ብክልተ ብጫ ብቐይሕ ካርዲ ካብ…
ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብርዎ ፀወታ ሎሚ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ መበል 23 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ወሲዱ ኣሎ።
ኣርሴናል መሪሕነቱ ንምጥንኻር ዓሊሙ ሎሚ ኣብ ዝገብሮ ፀወታ ካብ ማንቼስተር ዩናይትድ ልዑል ንሕንሕ ከጋጥሞ ኢዩ ዝብሉ ግምታት ካብ ሰብ ሞያ ስፓርት ይቐርቡ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ…
ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብቲ ጋንታ ንምፅናሕ ዘኽእል ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ወዲ 20 ዓመት እንግሊዛዊ ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ካብ ኣካዳሚ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ዓብዪ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምዕባዩ ኣብ ዝገበሮም 87 ፀወታታት 7 ሸቶታት ኣቑፂሩ ኢዩ።
ይኹን…
ሲዳማ ቡናን መቻልን ዓወት ቀኒዑወን
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን መርሃ ግብሪ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መሪሕ እቲ ሊግ ሲዳማ ቡና ንኢትዮጵያ ቡና 3 ን 0 ስዒራ፡፡
ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ሲዳማ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ብለስ ናጎ፣ ዮሴፍ ዮሃንስን ፍራኦል መንግስቱን ኣመዝጊቦምወን።
ብኻሊእ መዳይ መቻል ንቅዱስ…
ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን 1 ን 1 ማዕረ ተፈላሊየን።
ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ናይ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ሸቶ ኮንኮኒ ሃፊዝ እንተመዝግብ÷ ሄኖክ ኣዱኛ ድማ ናይ ሸገር ከተማ ሸቶት ኣመዝጊቡዋ።
መርሃ…
ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ 9 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ እውን ቀፂሉ እንትካየድ ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ሰዓት 5 ኢሎምፒክ ማርሴ ምስ ሊቨርፑል፣ ስላቪያ ፕራግ ምስ ባርሴሎና፣ ባየር ሙኒክ ምስ ሮያል ዩኒየን ከምኡ እውን ቼልሲ ምስ ፓፎስ ክፃወታ ኢየን።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣታላንታ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ፣ ጁቬንቱስ ምስ ቤኔፊካ ከምኡ እውን…