ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ዘካየደኦ ፀወታ ብዓወት ኢትዮጵያ ቡና ተዛዚሙ፡፡
ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኢትዮጵያ ቡና ንቅዱስ ጊዮርጊስ 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ኢያ ስዒራ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ዝተዓወተትለን ሸቶታት ኦካይ ጁል፣ ቢኒያም ጌታቸውን ዘላለም ኣባተን እንተመዝግቡ÷ ብሕታዊት ሸቶ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ፍፁም ጥላሁን ኣብ መርበብ ኣዕሪፉዋ፡፡