ስፓርት

ስፓርት

ሃዋሳ ከተማ ንመቻል ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃዋሳ ከተማ ንመቻል 3 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ። ሃዋሳ ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ዓሊ ሱሌማን፣ ተባረክ ሄፋሞን ኣቤኔዘር ዮሃንስን ኣመዝጊቦምወን። ብሕታዊት ሸቶ መቻል ድማ ምንይሉ ወንድሙ ብፍፁም ቅፅዓት ኣመዝጊቡዋ። ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስና ቴክኖሎጂ ኣዳማ እተኻየደ ዝርከብ መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቅፅል ምሸት ሰዓት 12:00 መቐለ 70 እንደርታ ምስ ፋሲል ከነማ ክራኸባ ኢየን።
Read More...

ልዑል ሃንቀውታ ዝግበረሉ ፀወታ ፍፃመ ኢንተር ሚላን ምስ ፒኤስጂ ኣብ ሙኒክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ኣብ ጀርመን ሙኒክ ስታዲየም ኣሊያዝ ኣሬና ጣልያናዊት ጋንታ ኢንተርሚላን ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ምሸት ሰዓት 4 ክራኸባ ኢየን፡፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ሙኒክ ስታዲየም ኣሊያንዝ አሬና ዝካየድ ፀወታ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሮማኒያዊ ዳኛ ኢስትቫን ኮቫክስ ብዋና ዳይነት…

ስሑል ሽረ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወሪዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምስ ጋንታ  ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተራኸበት ጋንታ ስሑል ሽረ 1 ን 0 ስለዝተሰዓረት ካብ ውድድር እቲ ሊግ ምውራዳ ኣረጋጊፃ፡፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ፍፁም ጥላሁን ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡ ነዚ ስዒቡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ…

ሪያል ማድሪድ ንኣሌክሳንደር ኣርኖልድን ኣፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንኣሌክሳንደር ኣርኖልድን ከምዘፈረሞ ግልፂ ገይሩ። ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ኣብዚ ውድድር ዓመት ካብ ሊቨርፑል ንምልቃቕ ምውሳኑ ቅድሚ ሰሙናት ምግላፁ ይዝከር። ኣብ ሓዱሽ ክለብን ዝተፈለየ ቦታን ንባዕሉ ንምፍታሽ ብምድላዩ ምስ ሊቨርፑል ንምልቃቕ ምውሳኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ገሊፁ ኢዩ። ናብ ሓዱሽ…

ሊቨርፑል ዓወታ ምስ ደገፍታ ተኽብር ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ውድድር ዓመት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 2024/25 ሻምፒዮን ዝኾነት ሊቨርፑል ዓወታ ምስ ደገፍታ ተኸብር ኣላ፡፡ ክለብ መርሲሳይዱ ሊቨርፑል ኣብ ኣንፊልድ ጎዳናታት ብምዝውዋር ምስ ደገፍታ ኣብ መበል 20 ፅዋዕ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ዓወታ ተኸብር ኣላ፡፡ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ሻምፕዮን ኮይና…

መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 31 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ንስሑል ሽረን 2 ብ 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። መቐለ 70 እንደርታ ናይ ምስዓር ሸቶታት ብቦና ዓሊን ያሬድ ብርሃኑን እንተመዝግቡ÷ ስዕረት ንስሑል ሽረ ካብ ስዕረት ዘየናገፈት ሽቶ ዘቁፀረ ፋሲል ኣስማማው ምስ መረብ ኣራኺብዋ፡፡ እቲ ውፅኢት ስዒቡ መቐለ…

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ትሕቲ 18ን 20 ዓመት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 13 ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመትን 4ይ ሻምፒዮና ትሕቲ 18 ዓመትን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ፡ ኣብቲ ውድድር ካብ ሰሸሞንተ ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምኡ እውን ካብ ጋንታታትን ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን…