ሻምፒዮን ኣርሰናል ፅዋዕ እትረኽበሉ ዕለት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ድሕሪ 22 ዓመታት ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ኣርሰናል ሎሚ ፅዋዕ ክትቅበል እያ።
ኣብዚ ሊግ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ኣርሰናል ሎሚ ዓመት ሓንቲ ፀወታ ተሪፍዋ ሻምፕዮን ምዃና ኣረጋጊፃ።
እታ ብኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ እትምራሕ ክለብ ሰሜን ለንደን ካብ ሜድኣ ወፃኢ ተጓዒዛ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12 ምስ ክሪስታል ፓላስ ናይ መወዳእታ ፀወታ ሊግ ክትገብር እያ።
ቅድሚ ሕዚ ወርቃዊ ጓንቲ ዝተዓወተ ስፔናዊ ኣርሰናል ዴቪድ ራያ ኣብዚ ፀወታ ሸቶ ከይተቐበለ ናብ ሜዳ ክኣቱ እያ።
ዴቪድ ራያ ኣብዚ ግጥም ፅሩይ ሸቶ እንተድኣ ኣቐሚጣ ኣብ ሓደ ዓመት ንኣርሰናል 20 ፅሩይ ሸቶታት ዘመዝገበ ፈላማይ ሓላዊ ሽቶ ክኸውን ኢዩ።
Comments (0)
Add Comment