ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቬትናም ሌ ሚን ሁንግን ተዘቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ኣብ ጎድማ ጎድኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቬትናም ሌ ሚን ሁንግን ብምርኻብ ዕዉት ዘተ ከምዝገበሩ ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቬትናምን ዘሎ ክልተኣዊ ዝምድና ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ሓባራዊ ምትሕብባረን ንምስፋሕን ዘኽእሉ ጉዳያት ከምዝተልዓሉ ኣመልኪቶም።