ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርወይ ጆናስ ጋህር ስተር ኣብ ጎድና ጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ኮፕ31 ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርወይ ጆናስ ጋህር ስተር ኣብ ጎድና ጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ኮፕ31 ክልተኣዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ምትሕብባር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምድንፋዕ፣ ኣብ ዘፈር ዝሕደስ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ንምትብባዕን ዘድሀበ ምንባሩ ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኖርወይ ኢትዮጵያ ንእትርከቦ ፕሬዚደንትነት ኮፕ32 እትገብሮ ሓገዝ ንምጥንኻር ክጥቀሙሎም ዝኽእሉ ዕድላት ኣመልኪቶም ከምዝተመያየጡ ኣመልኪቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እቲ ዘተ ሰፊሕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ሓዊሱ፣ ኣብ ህሉው፣ ዓለም ለኸን ዞባውን ጉዳያት ሓሳብ ዝተለዋወጥሉ ምንባሩ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ተግባራዊ ዓውዲታት ምትሕብባር ንቕድሚት ንምስጓምን ሽርክነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዘሎ ሓባራዊ ድሌት ዘንፀባርቕ ምዃኑ ኣመልኪቶም።