ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መበል 85 በዓል ሓርበኛታት ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ክቐርብ እዩ፡-
እንኳዕ ንመበል 85 በዓል ጀጋኑ ሓርበኛታት ኣብፀሐኹም
ሚያዝያ 27 ጀጋኑ ሓርበኛታት ኢትዮጵያውያን ንወራር ፋሽሽታዊ ስዒሮም ልኡላውነት ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ዘኽበሩላ በዓል እዩ።
ሓርበኝነት ማለት ንሃገር ዝተኸፈለ ዋጋ ካብ ርእሰ ፍትወት ዘይብሉን ነፃ መስዋእቲ እዩ። ዕላምኡ ኣብ ሃገርን ህዝብን ጥራሕ ዘማእኸለ እዩ። ናይ ውልቀ ሰብ ወይ ናይ ጉጅለ ብዝተፈለየ ነገር የብሉን። ንሃገር ካብ ዝርከብ ናፅነትን ልኡላውነትን ክብርን ካብ ዘበርክት ዜጋ ጥራሕ።
ሓርበኛታት ኣደን ኣቦን ንሃገርን ህዝብን ክብሉ ኣንፃር ፋሽሽታውያን ተቓሊሶም። ውልቃዊ ረብሓ ንምርካብ ባንዳነት ካብ ሃገራውነት ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ግና ኣይገበርዎን።
ኣብቲ ቃልሲ ሓርበኝነት ምስ ሰለስተ ፀላእቲ እዩ ተኻይዱ። ርእሰ ረብሓ፣ ካብ ባንዳን ከምኡ እውን ወራሪ ፋሽሽታዊ ሓርበኝነት ማለት ንሃገር ክብል ናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ምሕዳግ እዩ። ሓርበኝነት ውልቃዊ ክብርን ውልቃዊ ስልጣንን ውልቃዊ ረብሓን ምስዋእ እዩ። ነዚ ንምቕባል ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ንነብስኻ ምብዳህ የድሊ።
ባንዳታት ማለት ንነብሶም ክስዕሩ ዘይከኣሉ እዮም። ውልቃዊ ረብሓን ክብርን ክስዕሩ ስለዘይኽእሉ ክብርን ረብሓን ሃገሮም ይሸጡ። ባንዳነት ማለት ንውልቃዊ ረብሓ ሃገር ብምሻጥ ዝኽደንዎ ናይ ውርደት ካባ እዩ። ሓርበኛታት ኣንፃር ባንዳታት ተቓሊሶም። በቲ ሓደ ወገን ባንዳታት “ሃገርካ ሸይጥካ ከማና ንነብስኻ ተጠቐመላ” ይብሉ።
ብኻልእ ወገን ድማ መንገዲ መሪሖም ንወረርቲ ናብኦም የምፅኡ። እሱ እውን ኣይኾንን እንትብሎም ብናይ ሓሶት ወረ ንህዝቢ የታልልዎ።
ሎሚ ሰለስቲኦም ፀላእቲ ኣለዉ። መልክዖምን ስሞምን ጥራይ እዮም ቀይሮም። ብኣንፃሩ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ሓርበናታት ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ክትብልፅግፅ ብሄራዊ ሓርበኛታት የድልያ። ንርእሰ ረብሓ፣ ባንዳነትን ወረርቲን እምቢ ዝብል ሓርበኝነት።
ሓርበኛታት ኢንዱስትሪ፣ ሓርበኛታት ሕርሻ፣ ሓርበኛታት ፀጥታ፣ ሓርበኛታት ፖለቲካ፣ ሓርበኛታት ንግዲ ፣ዲፕሎማስያውያን ሓርበኛታት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓርበኛታት፣ ሓርበኛታት ሕክምና፣ ሓርበኛታት ትምህርቲ ወዘተ የድልዩና እዮም።
ብሄራዊ ሓርበኝነት ማለት ነዞም ሰለስተ ፀላእቲ ምቅላስን ምስዓርን ማለት እዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ንርእዮ ዘለና ለውጥን ዕብየትን ዝተረኽበሉ ምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ብሄራዊ ሓርበኛታት ብምህላዎም እዩ። ብሄራዊ ሓርበኛታት ንሰለስቲኦም ፀላእቲ ይስዕሩ እኳ እንተሃለዉ ክሳብ ሕዚ ግን ምሉእ ዓወት ኣይረኸቡን።
27 ሚያዝያ ዝእወጅ ዓወት ንኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ምልክት ብልፅግና ክኸውን እዩ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ሓያላት ሃገራት ዓለም እንትትኮን እዩ።
ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ንኢትዮጵያ ዝፈትዉ ነዚ ዓወት ክውን ንምግባር ክትለዓሉ በዙይ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቕርብ።
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
27 ሚያዝያ፣ 2018 ዓ.ም