ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ መድረኽ ዘጣመረን ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝተዋደደ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት መተግበሪ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም፥ “ዲጂታል ንብሉፅነት” ብዝብል ሽም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝውሃቡ ኣገልግሎት ኣብ ሓደ መድረኽ ዘጣምር ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝተዋደደ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት መተግበሪ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚርና ኢሎም፡፡
እዚ ዓብዪ ዓወት ንኢትዮጵያ ዓብዪ ሓበን ካብ ምፍጣር ንላዕሊ ብቴክኖሎጂ ዝምራሕን ብዕላማ ተኾር ኢንቨስትመንት እንታይ ክረክብ ከምዝኽእል ምስክር ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ወሳኒ ኢኮኖሚ መሰረተ ልምዓት ዝኾነ ኣገልግሎት መሶብ ብሓደ ማእኸል ናይ ዜጋታት ግዜ ክቑጥብን ንብልሽው ዝፍጠሩ ነዃላት ዝዓፅዉን ምዃኖም ሓቢሮም።
ካብዚ ሓሊፊ ብወገን መንግስቲ ቅንዕናን ሓይልን ትካላት ከምዘጠናኽር ኣፅንኦት ሂቦም።
ልዕሊ ኩሉ ድማ ግደ ትልሚታት ኢትዮጵያ ትምኒት ጥራሕ ዘይኮነስ ብኢድናን ዓቕምናን እንሃንፆም ሓቃውነቶም ብግልፂ ዘርእይ ምስክር እዩ ኢሎም።
ነዚ ዓወት ክጠናኸር፣ ነቲ ተመኩሮ ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነካፍል ከምኡ እውን ካብዚ ዝበለፀ ውፅኢት ንምርካብ ብቆራፅነት ንክጉዓዙ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡