ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያ ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብምድሃብ ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ተራኺብና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብምድሃብ ዕዉት ዘተ ኣካይድና ኢሎም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ምክልኻልን ድሕነትን፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ትምህርቲን ቴክኖሎጂን ዘለና ምትሕብባር ንምዕባይ ዘለና ሓባራዊ ቆራፅነት ዳግም ዘረጋገፁሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ከምኡ እውን ልውውጥ ተሞክሮ ትምህርቲ ምስፋሕ፣ ኣብ ባህሊን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዘለና ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝከኣለሎም ዕድላት ብምጥማት ከምዝዘተዩ ሓቢሮም።
ኣብ ምድላው ኮፕ 32 ዘለና ምሕዝነት ሓዊሱ፣ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ሸቶታት ልምዓትን ዙርያ ምትሕብባርና ንዝያዳ ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ተዛቲና እውን ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመስረቱ ልውውጣት ንግዲን ልውውጥ ኢኮኖሚን ብዝበለፀ ንምስፋሕን ብሓባር ንምስራሕን ከምዝተሰማዕምዑ እውን ኣመልኪቶም።