ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካዛኪስታን ቃሲም ጆማርት ቶካዬቭ ተዛትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ከምዝበልዎ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ፕሬዚዳንት ካዛኪስታን ቃሲም ጆማርት ቶካዬቭ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይድና።
ኣብቲ ዘተ ድማ ኣብ ዲጂታላይዜሽን፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ከምኡ’ውን ኣብ ዓውዲታት ምክልኻል ዘለዉ ዕድላት ምትሕብባር ንምስፋሕ ተመያይጦም።
ብተወሳኺ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ዘሎ ሽርክነት ዝያዳ ንምምዕባል ዝከኣለሎም መንገድታት ዝምልከት ጉዳያት ከም ዝተመያየጡ ገሊፆም።