ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ተግባራት ማሕበራዊ ዘፈር ዘድሀበ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
“ዝላ ማሕበራዊ ልምዓት ንህንፀት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሰናደአን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ማህበራዊ ዘፈር ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ውፅኢታት ከምዝቐርቡ ተገሊፁ፡፡
እቲ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ክእለት ዝመርሖ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ባህሊ፤ ኪነ-ጥበብን ስፖርትን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብስፍሓት ዝትንተኑሉ ከምዝኾነ እውን ቤት ፅሕት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ፡፡