ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዓለም ለኸ ውድድር ቁንጅና ተሳተፍቲ ኣብታ ከተማ ዝተወገኑ ስራሕቲ ልምዓት ወሰን ሩባ ብምዝውዋር ተዓዚበን፡፡
እቲ ውድድር ቁንጅና ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ምትእስሳር ባህሊ ንምፍጣርን ሃፍቲ ቱሪዝም ንምፍላጥን ዝዓለመ ኢዩ፡፡
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር 24 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ኣብ ወዳጅነት ፓርክ ብድምቀት ከምዝካየድ ሓበሬታ ኮሚሽን ቱሪዝም ኣዲስ ኣበባ የመላኽት።