ኢትዮጵያ 130 ሚሊየን ሕዝቢ ሒዛ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ወደብ ኣልባ ሃገር ኢያ።
ምስኣን በሪ ባሕሪ ንኢኮኖሚኣ፣ ብሄራዊ ድሕንነታን ጂኦፖለቲካዊ ፅዕንቶኣን ልዑል ማሕለኻ ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ።
ስለዝኾነ ድማ ንኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ምርካብ፣ ህልውናን ብሄራዊ ረብሓ ምርካብን ቀዳማይ ጉዳይ ኢዩ።
በሪ ባሕሪ ንኢኮኖሚ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ወሳኒ ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ ንኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ብዋናነት ትጥቀመሉ ወደብ ናይ ጅቡቲ ወደብ ኢዩ።
ነዚ ድማ በቢዓመቱ ብቢሊዮን ዝቑፀር ዶላር ኣሜሪካ ንክራይ ወደብን ንኣገልግሎትን ትኸፍል ኢያ።
ናይ ባዕልኻ ወደብ ኣማራፂ ምርካብ እዚ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዘትርፍ ኢዩ።
ወናኒ ወደብ ምዃን ቅልጣፈ ዝውውር ኣቑሑት ይውስኽ።
ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወፃኢ ብምንካይ ፍርያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳሪ ንኽኾኑ ዝገብር ኢዩ።
በሪ ባሕሪ ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ካብ ምኽባር ሓሊፉ ንብሄራዊ ድሕንነት እውን ውሕስና ኢዩ፡፡
ኣብ ካልኦት ሃገራት ወደባት ጥራሕ ምንጥልጣል፣ ኣብተን ሃገራት ዘይምርግጋእ ወይ እውን ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ እንትፍጠር ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ።
ናይ ባዕልኽ በሪ ባሕሪ ከም ነዳዲ፣ መድሓኒትን መዳበሪያን ዝበሉ ስትራቴጂካዊ ኣቑሑት ብዘይ ምንም ምእጉጓል ንኸኣትዉ ውሕስና ብምዃን ናይ ቀረብ ስግኣት የወግድ፡፡
በሪ ባሕሪ ምህላው ጥንኩርን ዘበናዊን ሓይሊ ባሕሪ ብምህናፅ ናይ ንግዲ መርከባት ድሕንነት ንምሕላውን ዶብ ሃገር ብዝበለፀ ንምኽባር ዘኽእል ኢዩ።
በሪ ባሕሪ ጂኦፖለቲካዊ ፅዕንቶን ናይ ምድርዳር ዓቕሚን ይውስኽ፡፡
ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ንንግዲ ዓለም ቁልፊ መስመር ኢዩ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ መስመር ቀጥተኛ በሪ ባሕሪ እንትህልዋ ኣብቲ ዞባ ኣብ ውሳነታት ፖለቲካን ድሕንነትን ፅዕንቶን ናይ ምድርዳር ዓቕሚ ብልዑል ደረጃ የዕቢ።
ወደብ ኣልቦ ምዃን ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ዘለካ ፖለቲካዊ ክብደት ይንኪ።
ምውናን በሪ ባሕሪ ግን ዲፕሎማሲያዊ ልዕልነት ኢትዮጵያ ክብ ብምባል ዓለም ለኸ ተሰማዕነታ ንኽውስኽ ይገብር፡፡
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ይኹን ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ረብሓታታ ንምኽባር ኣብ ሓበራዊ ልምዓት፣ ብሰላማዊ ምትሕብባርን ዲፕሎማሲያዊ ልዝብን ተኣምን፡፡
ብመምርሒ ሂብካ ምቕባል ሓቢራ ክትዓቢ ትደሊ፡፡ ኢትዮጵያ ሕቶ በሪ ባሕሪ ብሰላማዊ መገዲ፣ ብዲፕሎማሲን ብድሌት ሓቢርካ ምልማዕን ክተዕውት ትደሊ።
በሪ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ናይ ሕንቃቐ ሕቶ ዘይኮነስ ቀፃሊ ዕጫ 130 ሚሊዮን ህዝቢ ዝውሰነሉ ልዑል ብሄራዊ ረብሓ ኢዩ።
እዚ ንምዕዋት ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪታት እናጠናኸረት ትርከብ፡፡
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ስምምዕነት ንኽህሉ ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ እዋን ተግባራ ክትቅፅል ኢያ፡፡