በሪ ባሕሪ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው…

ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ 2፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ምውናን በሪ ባሕሪ ሃገራዊ ድሕንነት ንምሕላው፣ ኢኮኖሚ ንምዕባይን ሃገራዊን ብሄራዊን ረብሓ ንምሕላው ዕዙዝ ግደ ከምዝፃወት ተሓቢሩ።

በሪ ባሕሪ ዘይምህላው ምንቅስቓስ ንግዲ ሃገር ብምግዳብ ንልዑል ወፃኢ ዝዳርግ እንትኸውን፤ ካብዚ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ምንቅስቓስ ንግዲ ኣብ ፍቓድ ካልኦት ሃገራት ዝተመስረተ ንኽኸውን ይገብር።

ብተፃራሪ በሪ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት፣ ናይ ንግዲ፣ ጂኦፖለቲካዊን ዞባዊን ረብሓታት ንምኽባር ብናፅነት ዝንቀሳቐሱ እንትኾኑ፤ እዚ ድማ ኣብ ከባኦም ዝህልዎም ሓይሊ ሚዛን ንምሕላው ይሕግዝ።

ወናንነት በሪ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዝፍጠር ፀዕንቶ ፅግዕተኛነት ብምንካይ፣ ዞባዊ ፅእንቶ ንምፍጣርን ሃገራዊ ረብሓ ንምክልኻልን ይሕግዝ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ ጥዕንቶ ከምኡ እውን ምውናን በሪ ባሕሪ ናይ ቀረባ ታሪኽ እዩ።

ብታሪኽ ኣጋጣሚ ልክዕ ብዘይነበረ ፖለቲካዊ ውሳነ በሪ ባሕራ ድሕሪ ምስኣና ምንቅስቓስ ንግዲ ወፃኢኣ ብናይ ጎረባብቲ ሃገራት ወደብ ክሓልፍ ተገዲዱ ኢዩ።

እዚ ድማ ኣብ ዓመት ብቢልዮናት ዶላር ዝቑፀር ወፃኢ ፃውፅእ ይገብራ ኣሎ።

130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ በሪ ባሕሪ ስለዘይብላ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ሽርሒ ፀላእቲ እናወደቐ ብዙሓት ፈተናታት እናወደቐ ብዙሓት ፈተናታት ንምትእንጋድ ትገደድ እምበር ብቓልሲ ደቃ ግን ነዞም ፈተናታት እናሰገረቶም መጺኣ እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትርከበሉ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ዓለማዊ ንግዲን ፖለቲካዊ ኣቀማምጣን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዞባ እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ባዕላ ወደብ እንተዝህልዋ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ፖለቲካ፣ ድሕንነት ኢኮኖሚን ዘለዋ ፅዕንቶ ትፈጥርን ድምፃ ዝስማዕን ሃገር ክትከውን ይገብራ።

ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይኹን ሕቶታታ፣ ብሄራዊ ረብሓታታ ዘኽብርን ናይ ሓባር ልምዓት ዝድግፍን ብሰላማዊ ዘተ ዝርከብ መፍትሒ እያ ትደሊ።

ኢትዮጵያ እትሓትቶ እቲ ብታሪኽን ብሕግን ናታ ዝነበረ፣ ኣብ ሓደ እዋን ብዘይፍትሒ ዝተመንዘዐ ክፋል መሬታ እዩ።

ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዕጫ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዝውስን፣ ከም ሃገር ንምዕባይ፣ ንምብልፃግ፣ ህልውናኣን ሃገራዊ ረብሓኣን ንምክባር ዝቐረበ ፍትሓዊ ሕቶ እዩ።

ብመልካም ፍቓዱ

Comments (0)
Add Comment