ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ታሪኽ ዓለም ብኲናት፣ ድኽነትን ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላውን ሓሊፈን ሎሚ ኣብ ብራኸ ምዕባለ ዝበፅሓ ሃገራት ኣለዋ።
ናይዘን ሃገራት ዓወት ምስጢር ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘይኮነስ፤ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ኮይነን ዝዘተያሉን ሓበራዊ ብሄራዊ ምርድዳእ ዝፈጠሩሉ ጥበብ ምኽክር ኢዩ።
ንኣብነት እውን ኣፍሪካዊት ሃገር ደቡብ ኣፍሪካ ብከይዲ ምኽክር ሃገር ብኸመይ ክቕፅል ከምዝኽእል መርአያ ኢያ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ስርዓት ኣፓርታይድ ምሰብቀዐ እታ ሃገር ናብ ልዑል ሕድሕድ ኲናት ክተምርሕ ትኽእል ዝነበረት ትኹን እምበር ፖለቲካዊን ማሕበራዊን መራሕቲ ተቐሚጦም ብምዝታዮም ንኹሉ ዘካተተት ደቡብ ኣፍሪካ ሃኒፆም ኢዮም፡፡
ካሊእ ኣፍሪካዊት ሃገር ሩዋንዳ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝበፅሐ ምጥፋእ ዓለት ህዝቢ ባህላዊ ምኽክርን ስርዓት ዕርቂን ብምጥቃም ቂም ብይቕሬታ ክትትክእ ክኢላ፡፡
ድሕሪ ኲናት ኮሪያ ናብ ልዑል ቅልውላው ድሕነት ዝኣተወት ደቡብ ኮሪያ ኣብቲ እዋን መንግስቲ እታ ሃገር፣ ሰራሐተኛን በዓል ሃፍቲን ብሓባር ብምዝታዮም ሃገራዊ ረብሓ ዘቐደመ ስምምዕነት ገይሮም ኢዮም፡፡
ንዘበናት ኣብ ዝነበረ ጎንፂ ሃይማኖትን ፖለቲካን እናተሓመሰት ዝነበረት ኣየርላንድ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብዝተገበረ ሰላማዊ ልዝብ ሎሚ ካብ ዝርከባ ዝማዕበላ ሃገራት ኣውሮፓ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኢትዮጵያ እውን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ክፍተታት ንምፍታሕ ኣብ ታሪኻ ልዑል ዝተብሃለሉን ከይዲ ሃገራዊ ዘተን እናወገነት ትርከብ።
እቲ ዘተ ንዘበናት ዝዘለቑ ናይ ያታ ኣፈላላያት፣ ናይ ታሪኽ ቅርሕንቲታትን ሕቶታት መንነትን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝዓለመ ኢዩ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣጀንዳታት ብምእካን ህዝቢ ብናፅነት ንኽዛተን ኣብ ሓበራዊ ዕጭኡ ንኽውስንን እናገበረ ይርከብ።
እቲ ኮሚሽን 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ንኩሉ ዘሳተፈ ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ዘካይድ ኢዩ፡፡
እቲ ጉባኤ ንዘበናት ዝፀንሑ ሃገራዊ ኣፈላላያት ብዘተ ፈቲሑ ንዘላቒ ሰላምን ጥንኩር ህንፀት ሃገርን ፅኑዕ መሰረት ከንብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብሶስና ኣለማየሁ