ብሪክስ ኣብ ጉዳይ ኣሜሪካን ኢራንን፣ እስራኤልን ፍልስጤምን እንታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ፣ ኣብ ህንዲ ንኽልተ መዓልታት ዘካየድዎ ጉባኤ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ እዋናዊ ዓለም ለኸ ጉዳያት ሓባራዊ መግለፂ ሂቦም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መግለፂኦም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደ ሓደ ሃገራት ዘካይደኦ ዘለዋ ናይ ንግዲ ኲናት፣ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝጎድእ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም።

ምስ ዘፈር ንግዲ ተተሓሒዙ ኣብ ክልተኣዊ ስርዓት ንግዲ ዝንበሩ እዋናዊ ኩነታት ዘይሓለዉን ካብ መጠን ዝሓለፉን ታሪፋት እውን ኮኒኖም።

እቲ ሓባራዊ መግለፂ ብሪክስ ተቐባሊ ውሳነ ጥራሕ ዘይኮነስ ውሳነ ዝህብን ኣካይዳ ንምእራም ዝኽእልን እኩብ ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ገለ ሃገራት ብውልቀ ዝገብረኦ ወሰኽ ታሪፍ ንክልተኣዊ ንግዲ ከም ዝጎድእ ኣመልኪቱ።

ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዘሎ ጎንፂ ንዓለም ኣብ ፀቕጢ ከምዘእተዎን እቲ ጉዳይ ድማ ንኣባል ሃገራት ብሪክስ እውን ዘሻቕል ምዃኑን ገሊፁ።

ኢራን ኣባል ብሪክስ ምዃና ስዒቡ ኣባል ሃገራት እቲ እኩብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ንኽኹንንኦ ዝሓተተት እንትትከውን፤ ብሪክስ ግን ምስቲ ጉዳይ ዝተተሓሓዘ ዘይሻራዊ ቅዋም ሒዙ ምፅንሑ ተገሊፁ።

ብኻልእ መዳይ ብሪክስ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ብዘተን ዲፕሎማሲን ንኽፍታሕ ፃውዒት ብምቕራብ ብዘይፍቓድ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብውልቀ ዝግበር ማዕቐብ ኮኒኑ።

ብኻልእ ወገን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም እትፍፅሞ ዘላ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብምሉእ ድምፂ ከም ዝተቓወምኦ ተገሊፁ።

ጉዳይ እስራኤልን ፍልስጤምን ብመሰረት ዶባት 1967 ከምኡ እውን ኣብ መፍትሒ ክልተ ሃገራት ዝተመስረተ ፍታሕ ንኽረኽብ ብሪክስ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ካብ ጉዳያት ጎንፂ ብተወሳኺ ብሪክስ በዓል ብዙሕ ዋልታ ስርዓት ዓለም ንኽጠናኸርን ዓለም ለኸ ፋይናንሳውን ፖለቲካዊን ትካላት ድማ ካብ መግለላይነት ዝነፅሀ ኣሰራርሓ ንኽኽተሉ ኣፅንኦት ሂቡ።

መራሕቲ 11 ሃገራት ዝተሳተፉሉ መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ፤ “ፅንዓትን፣ ፈጠራ፣ ምትሕብባርን ዘላቕነትን ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኒው ዴልሂ ካብ 2 ክሳብ 3 መስከረም 2019 ዓ.ም ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment