ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለትን ርእሳ ዝኸኣለትን ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)‎ ብሕብረት ንዝመፅእ ወለዶ ፅንዕቲ፣ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለትን ርእሳ ዝኸኣለትን ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ውፅኢት ተኮር ኣመራርሓና ቅድሚ ሕዚ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ ተንፀባሪቑ ኢሎም።

‎ኣብ ናይ ሎሚዘበን ኤክስፖ “ኢትዮጵያ ተፍሪ” ሃገራዊ ራኢና ጭቡጥ ዓወት ምርኣይ ልዑል ክብሪ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ኣብ ተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ፃዕሪ ዝተረኸበ ዝጭበጥ ውፅኢት ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡፡

በዚ ድማ ኣፈረይቲ ኢንዱስትሪታት ማእኸላይ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ካብ 47 47 ሚኢታዊ ናብ 67 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 2,800 ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢን ውሽጢ ሃገርን ምስሓብ ተኻኢሉ ኢሎም፡፡

ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ጥራሕ ካብ ተካእቲ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ልዕሊ 4.85 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣመልኪቶም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ዝተኸፈተ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ መላእ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ንቑሓት ኣፍረይቲን ስታርትኣፓትን ብዝወሰኸ ብሓድነት ዘተኣኻኸበ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

‎‌ዓበይቲ ዝነበርና ኢና ብዝበለፀ ድማ ዓበይቲ ክንከውን ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብሓባር ብምዃን እዚ ጥንኩር ምንቕቓሕ ክቕፅል ብግባርን ንዝመፅእ ወለዶ ፅንዕቲ፣ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለትን ርእሳ ዝኸኣለትን ኢትዮጵያ ክንሃንፅ ኢና ክበብሉ ኣረጋጊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment