ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ክወፅኡን ክኣትዉን ዝተታሕዙ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ተወሲዱ ኢሉ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ፓስፖርት፣ ቪዛ፣ ብሄራዊ መንነት ኢትዮጵያ፣ ቁፅፅር ዶባት ኣየርን መሬትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት ን1700 ኣባላት ንህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ።
እቲ ስልጠና ኣብ ሳይበር ደሕንነት፣ ዲፕሎማሲን ኣለም ለኸ ርክባትን፣ ኣገልግሎት ኣተሓሕዛን ኣፈታትሓ ጎንፂን ዘተኮረ ምዃኑ ሓቢሮም።
ሲቪላትን ስድራቤታቶምን ምዝገባ ብዝምልከት ኣብ ውሽጢ 9 ወርሒ 4 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩነታት ብምምዝጋብ 88 ሚኢታዊ ትልሚ ከምዝተዓወተ ገሊፆም፤ ካብዚኦም እቶም 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩነታት ምዝገባ ምክያድ ተኻኢሉ ኢሎም።
ስርዓተ ምዝገባ ዘመናዊ ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምትሕብባር ስርዓት ምዝገባ ተጠናኺሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይትግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።
ብታምራት ደለሊ