ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚ …

ኢትዮጵያ ብመመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚን ኣምር መደመርን፤ ካብ ፅግዕተኛነት ንፅል ዘፈር ብምንጋፍ ናብ ብዝሃ ዘፈር ስርዓት ኢኮኖሚ እናተሰጋገረት ትርከብ፡፡

ሓደን ቀንዲን ጥንካረ ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚ ምደማር ኢዩ። ዓውዲ ሕርሻ ንኢንዱስትሪ እታወት ጥረ ኣቑሑት ብምቕራብ፣ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ እታወት ብምውሳኽ፣ ከምኡ እውን ዓውዲ ኣገልግሎት ፍርያ ናብ ዕዳጋ ብምብፃሕ ብሓባር ይመጋገቡ፡፡ እዚ ሓበራዊ ምትእስሳርን ኣምር መደመርን ዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ክብ ኣብ ምግባር ተካኢ ፍርያት እናደንፈዐ ይርከብ፡፡

ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ልዕልነት ንፅል ዓውዲታት እናነከየ ብምምፅኡ፤ ክፍለ-ኢኮኖሚ ዘፈር ውልቀ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ሰፊሕ ኣጋጣሚታት እናምፀአ ይርከብ፡፡ ሓዱሽ ቁጠባዊ ሃፍቲ ሓሳብ መደመር ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ርእሶም ክኢሎም ንኢኮኖሚ ሃገር ዘዕግብ ውፅኢት ንኸምፅኡ ኣኽኢሉ ኢዩ፡፡

ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኣብ ሓደ ምትእስሳር ንብዙሓት ዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ንምምሕያሽ ናብራ ምኽንያት እናኾነ ይርከብ፡፡ ብፍላይ ድማ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ቱሪዝምን ሰፊኽ ተሳትፎ ክህልዎም ብምግባር ተረባሕነት ኢኮኖሚ እናረጋገፁ ይርከቡ፡፡

ኢትዮጵያ ዓውዲ ሕርሻ ካብ ምዝማን ጎድና ጎድኒ፤ ኢንዱስትሪ፣ ምውፃእ መዓድንን ቱሪዝምን ከምኡ እውን ዲጂታል ኣብዮት ኣብ ምስፍሕፋሕ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ሞተር ብምግባር ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊባ ኢያ።

መንግስቲ ዓቕሚ ኢኮኖሚ ብምዕባይ፣ ስግኣታት ናብ ዕድል ብምልዋጥ ንፅዕንቶታት ወፃኢ ሃገርን ወፃኢን ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ምህናፅ ተኻኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ምንቕቓሕ ዓውዲ ቱሪዝም ምስሊ እታ ሃገር ብምልዋጥ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምምፃእን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ልዑል እጃም ኣበርኪቱ ኢዩ፡፡

ብሓፈሻ ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚ ቁጠባዊ ሃፍቲ ሃገር ዘላቒን መካተቲን መሰረት ንኽህልዎ ዝገብር ቁልፊ ስትራቴጂ ኢዩ፡፡

Comments (0)
Add Comment