ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብኣዳላዊነት ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን እናተኻየደ ዝርከብ 2026 ፅዋዕ ዓለም ኣብ መዛዘሚ ምዕራፉ በፂሑ ኣሎ።
ተናሓናሕቲ ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊ ጋንታታት ዝተፈለዩ ኮይኑ፤ በዚ መሰረት ስፔንን ኣርጀንቲናን ንፅዋዕ ክነሓንሓ እየን።
ስፔን ንፅዋዕ ዝተገመተት ካልእ ብርትዕቲ ሃገር ንፈረንሳይ 2 ብ 0 ብምስዓር ናብ ፍፃመ በፂሓ እያ።
ብኣሰልጣኒ ሉዊስ ዴላፎንቴ እትምራሕ ስፔን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየደቶም ፀወታታት 13 ሽቶታት ኣመዝጊባ፣ ኣብ ልዕሊኣ ዝተቖፀራ ድማ ሓንቲ ሽቶ ጥራይ እያ።
ስፔን ኣብ 2010 ንመጀመርታ ግዜ ፅዋዕ ዓለም ዘዐወተት እንትትኾን፤ ሕዚ ድማ ንኻልኣይ ግዜ ነቲ ፅዋዕ ንምርካብ ምስ ኣርጀንቲና ክትገጥም እያ።
ኣርጀንቲና ብወገና ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ንእንግሊዝ 2 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍፃመ በፂሓ እያ።
ኣብቲ ፀወታ እንግሊዝ ቀዳማይ ሽቶ እኳ እንተቖፀረት፣ ኣርጀንቲና ካብ ድሕሪት ተላዒላ ብምዕዋት ንተኸታታሊ ካልኣይ ግዜ ናብ ፍፃመ ፅዋዕ ዓለም በፂሓ እያ።
ኣርጀንቲና ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝገበረቶም ፀወታታት 19 ዓወታት ዘመዝገበት እንትትኾን፤ 7 ሽቶታት ድማ ተቐቢላ ኣላ።
ናይ 2026 ፅዋዕ ዓለም ፍፃመ ፀወታ ኣብ ዝመፅእ ሰንበት ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራዊ ጋንታታት ክካየድ እዩ።
ብወንድማገኘ ፀጋዬ