ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣ እዋን ድህረ መረፃ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ዘርአዩዎ ጭዋነት እቲ መረፃ ፍፁም ሰላም ኮይኑ ንኽዛዘም ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሉ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ 7ይ ሓፈዊ መረፃ ብሰላም ምዝዛሙ ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ።
ኣብ መልእኽቱ ድማ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዕላዊ ብዝገበሮ መሰረት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ብዝኾነ መገዲ ከምዝተዛዘመ ምፍላጡ አዘኻኺሩ፡፡
እቲ መረፃ ናይታ ከተማ ይኹን ናይ መላእ ሃገር ብስለት ፖለቲካን ሉኣላዊነት ስልጣን ህዝቢን ዘረጋገፀ ታሪኻዊ መድረኽ ከምዝኾነ እውን ፅኡዕ እምነቱ ገሊፁ።
ብናፃ ውሳነ ህዝቢ ተዓዋቲ ንዝኾነ ፓርቲ ብልፅግናን ኣብቲ ውድድር ብምስታፍ ናይ ቤት ምኽሪ ወምበር ንዝረኸቡን ፓርቲታት ፖለቲካን ድማ መልእኽቲ እንኳዕ ደስበለኩም ኣመሓላሊፉ።
እቲ ታሪኻዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘንብ ባህሊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ንኽጉልብትን ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ኩሎም ሁሉም ፓርቲታት ፖለቲካ ንዘበርከቱዎ እወንታዊን ታሪኻዊን ኣስተዋፅኦ እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ኣመስጊኑ።