ተዛሪብካ ምትግባር፣ ቃል ኣቲኻ ምፍፃም!

ናይዚ ዓመት ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ታራ ለውጢ መቑፀሪ መዓልቲ ጥራይ ኣይኮነን። ሃገርና ሓዱሽ ገፅ ገንፂላ ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፋ፤ መሪፃ፣ ተዛቲያ፣ ስዒራ፣ ከምኡውን ተሓዲሳ እያ። ፈተናታት ናብ ልዑል ዕድል ተቐይሮም እዮም።

ብፅንዓትን ትሕት ኢሎም ብዝሰርሑ ደቃ ብዝገበሩዎ ፃዕሪ ናይ ዘመናት ዕንክሊል ንድሕሪት ከይምለስ ተገፊፉ እዩ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ለውጢ ጥራሕ፣ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ክንዓምሞም ዘይከኣልና ዓወታት ክነዕውት ክኢልና። ኣርሒቕካ ምትላም፣ ተሊምካ ምጅማርን ብቕልጡፍ ክትውድእን ዘኽእል ሓዱሽ ባህሊ ስራሕ እውን ሃኒፅና ኢና። እዚ ድማ ፍሉይ መግለፂ ሃገርናን መንግስታን ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኢትዮጵያ ብኢድ ዝተሓዝ ብርሃን በሪቑ ኣሎ። ካብ ውርሲ ኣፈሙዝ ዝርከብ ስልጣን ተናጊፉ «ሃገረ መንግስቲ ብካርዲ ህዝቢ ጥራሕ ይፅናዕ» ዝብል ድምፂ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተቓሊሑ። ህዝብና ቀትሪ ብፀሓይ፣ ለይቲ ብበረድ፣ ምስ ሕማሙ እናተቓለሰ፣ «ኣይትምረፅ» ምስ ዝበሎ እናተጋጠመ፣ እቲ ዝደልዮ ነጊሩና። ሃገር ኣፅኒዑ፣ ዲሞክራሲ መሪፁ።

ኣብ ማዕቐፍ ሃገራዊ ዘተ ደቂ ህብረ ብሄራዊት ሃገርና ተኣኻኺቦም ብዛዕባ ኣዶ ሃገሮም ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተዛቲዮም፤ ዘኪሮም። ይጠቅም እዩ ኢሎም ዝኣመኑሎም ሰናይ ሓሳባት ብናፅነት ኣቕሪቦም። ብሓፂሩ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ብሓርበኛታት እዚ ዘበን ሓዱሽ ገድሊ ተፈፂሙ። እዚ ሓቂ ተስፋ ደቅና ዘለምለመ፣ ኣብ ከይዲ ዘበናት ብኩርዓት እንነግሮ ወርቃዊ ታሪኽና እዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment