ቶማስ ፓርቴ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኣብ ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ተኻቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ኣርሰናል ቶማስ ፓርቲ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኣብ ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ክካተት ክኢሉ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2020 ክሳብ 2022 ብኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ገበን ፆታዊ መጥቃዕቲ ክሲ ዝቐረቡሉ እቲ ተፃዋታይ ኩሎም ክሲታት ሓሶት ከምዝኾኑ እናገለፀ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ወዲ 32 ዓመት ተፃዋታይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስፔናዊት ጋንታ ላሊጋ ቪያሪያል እናተፃወተ እንትኸውን÷ ዝነበሮ ብቕዓት ስኢኑ ይርከብ፡፡

ፕሬዚዳንት ኤፍኤ ጋና ኩርት ኦክራኩ፤ “ቶማስ ምክትል ኣምበልና ኢዩ፤ ንሱ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝበለፁ ተፃወትቲ ክፍሊ ማእኸል ሓደ ኢዩ ብምባል ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኑ ጠጠው ንብል” ኢሎም።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ካርሎስ ኪሮሽ ንቶማስ ፓርቲ ንምድላው ፅዋዕ ዓለም ኢሉ እውን ምስ ዌልስ ንዘለዋ ናይ ምሕዝነት ፀወታ ኣካል እታ ጋንታ ገይሮምዎ፡፡

ተኻላኻሊ ጋንታ ስፓርታክ ሞስኮ ኣሌክሳንደር ጂኩ ከምኡ እውን ተፃዋታይ ጋንታ ቶተንሃም ሞሓመድ ቅዱስ ብጉድኣት ምኽንያት ካብ ጉጅለ እታ ሃገራዊት ጋንታ ወፃእ ዝኾኑ ተፃወትቲ ኢዮም፡፡

ጋና ፈላማይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ምስ ፓናማ ክትፃወት ኢያ፡፡

ብኣቤል ነዋይ

Comments (0)
Add Comment