ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ፌደራል ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ብዘለዎ ተበግሶ ዝወሰዶ ቆራፅት ነበር ህወሓት ንባዕሉ ንእኹይ ዕላማ ንምውዳብ ተጠቂሙሉ ኢሎም ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)።
ኣቦ ወንበር ነበር ህወሓት ዝነበሩ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ፌዴራል ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምውዳብ ሰብኣዊ ድጋፍን መሊስካ ናይ ምህናፅን ንምቅልጣፍ ልዑል ባጀት መዲቡ ክሰርሕ ምፅንሑ ገሊፆም።
ይኹን እምበር ኲናት ዝናፍቅ ፅንፈኛ ጉጅለ ነበር ህወሓት ነቲ ስምምዕ ንዕላማ ጥፋኣት ብምጥቃም ሓደገኛን ዘይሕጋውን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ምህናፅ ቀፂሉ ኣሎ።
በዙይ እውን ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ብተደጋጋሚ ይዕንቅፍ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ካብ ፀላእቲ ደገ ዝውሃቦም ልእኽቶ መሰረት ቆልዑ ካብ ወለዶም ብምውሳድ ሓዱሽ ሓይሊ ከም በሓዱሽ ብምውዳብ ናብ ግዳማይ ጎንፂ ንምእታው ዝተዛብዐ ኣንፈት ይኽተሉ ኣለው ኢሎም፡፡