ናብ ቻይና ዝለኣኹ ፍርያታት ፍቓድ ንግዲ ወፃኢ ብኩለን ባንኪታት ንኽወሃብ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዝለኣኹ ፍርያታት ፍቓድ ንግዲ ወፃኢ ብኩለን ባንኪታት ንኽወሃብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ሓፈሻዊ ስምምዕነት ምትሕብባር ኢኮኖሚን ፋይናንስ መሰረት ብምግባር ናብ ቻይና ዝለኣኹ ፍርያታት ፍቓድ ንግዲ  ወፃኢ ብባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ንኽወሃብ ተወሲኑ ከምዝነበረ እቲ ባንኪ ኣዘኻኺሩ፡፡

ይኹን እምበር ዓውዲ ወፃኢ ንግዲ እታ ሃገር ብዝበለፀ ንምስላጥ፣ ተወዳዳራይነት ንምድንፋዕን ንለኣኽቲ ምቹውን ተበፃሒን ኣገልግሎት ባንኪ ንምፍጣር ቅድም ክብል ዝነበረ ገደብ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተልዓለ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ቻይና ዝለኣኹ ዝኾነ ዓይነት ፍርያታት ንግዲ ወፃኢ ሰነድ ኣወሃህባ ንግዲ ምውዳብን ተተሓሓዝቲ ኣገልግሎታት ባንኪን ኣብ ውሽጢ ሃገር ፍቓድ ብዘለወን ኩለን ባንኪታት ኣቢሉ ክተኣናገዱ ይኽእሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment