ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ንምቛም ዝካየድ ሉዓላዊ ጉዕዞ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ገዛእቲ ባዕዲታት ንህዝብታት ኣፍሪካ ንምግዛእን ንምንብርካኽን ዝተጠቐምሉ ቀንዲ መሳርሒ፥ ዘመናዊ ኣፅዋር ኲናት ጥራይ ኣይነበረን። ህዝብታት ብምክፍፋል ናይ ምግዛእ ስትራቴጂ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ንነዊሕ ዘመን ዝፀንሐ ማሕበራዊ ስምብራት ገዲፉ ሓሊፉ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ ሽርሒ ብምፍጣር ህዝቢ ንምክፍፋል ፈተና ተገይሩ እዩ። ይኹን እምበር ንሺሕ ዓመታት ዝፀንሐ መንግስታዊ ስርዓት ዘለዋ ኢትዮጵያ ደቃ ብሽርሒ ፀላእቲ ከይተኸፋፈሉ ፍልልያቶም ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብሓድነት ደው ኢሎም ሃገሮም ምልክት ናፅነትን ናይ ፀሊም ህዝብታት ቃልስን ክትከውን ገይሮማ እዮም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ መብራህቲ ናፅነትን ሓድነትን ኣፍሪካ ኮይና። ሓባራዊ መንነት ዘጠናኽርን ሕውነታዊ ምትእስሳር ዘዕብይን ኣካቢ ተረኽ ንምህናፅ ጠመተ ሂባ ትሰርሕ ኣላ።

ኣብዚ ከይዲ ኣተሓሳስባ “መደመር” ዝተፈላለዩ ዓቕምታትን ክብርታትን ንሓደ ሓባራዊ ዕላማ ንምእካብ ከምኡ ድማ ውሽጣዊ ሓድነት ሃገር ንምጥንኻር ከም ኣገዳሲ መፍትሒ የገልግል ኣሎ።

እዚ ኣተሓሳስባ ዓቕሚ ዝበታትን ዘይኮነስ ሃገራዊ ፀጋታት ኣብ ሓደ ማእኸል ብምእካብ ሓባራዊ ራእይ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብተወሳኺ ሃገራዊ ረብሓ ንምኽባርን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ መሪሕነታዊ ተራ ንምጥንኻርን መሰረታዊ ግደ ኣለዎ።

መገዲ “መደመር” ኣብ ኢትዮጵያ ሰርዓት ዴሞክራሲ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ንክነብር፣ ዘላቒ፣ ሓቛፊን ኣሳታፊን ንክኸውን ከምኡ ድማ ናይ ኩሉ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ።

ኣብ ታሪኽን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዘለዉ ፍልልያት ብስልጡን ዘተ ንምፍታሕ፣ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ተጣይሹ ኣብ ታሪኽ፣ ፖለቲካን ሃገራዊ ምልክታትን ዘለዉ ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ባህሊ ምድምማፅን ምስምማዕን የጠናኽር ኣሎ።

ብተወሳኺ ሓባራዊ መንነት ብተግባር ንምግላፅ ዘኽእሉ ከም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ማእኸላትን ፕሮጀክታትን ተሃኒፆም እዮም። እዞም ፕሮጀክታት ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሓባራዊ ታሪኽ ናፅነትን ዓወትን የዘኻኽሩ ከምኡ ድማ ባህልን ስልጣነን ብሄረሰባት ኣብ ሓደ ፅላል ብምምፃእ ሃገራዊ ኩርዓትን ምትእስሳርን የጎልብቱ ኣለዉ።

ኣብ ስርዓት ትምህርቲ እውን ተማሃሮ ብዛዕባ ሓባራዊ ክብርታትን ታሪኻዊ ምትእስሳርን ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንኽመሃሩ ምምሕያሽ ስርዓተ ትምህርቲ ይካየድ ኣሎ።

ምህናፅ ሓባራዊ ያታ ካብ ውሽጣዊ ሰላም ሓሊፉ ምስ ህላወ ሃገርን ጂኦፖለቲካዊ ጥንካረን ቀጥታዊ ርክብ ስለ ዘለዎ፥ ኣካቢ ያታታት ከም ዓብዪ መሳርሒ ብምጥቃም ሃገራዊ ረብሓ ዘኽብርን ኣብ ጉዳይ ሉዓላውነት ዘይደራደርን ዜጋ ንምፍጣር ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ምጥንኻር ሓባራዊ መንነት ፍልልያት ከም ፀጋ ብምውሳድ ፅኑዕ ሓድነት ዘለዋን ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ፅዕንቶ ክትፈጥር እትኽእልን ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝዓለመ እዩ።

ስለዝኾነ መፃኢ ሃገራዊ ጉዕዞ ዕዉት ንክኸውን፣ ዝተረኸቡ ዓወታት ምዕባይን ሓባራዊ ያታ ምድልዳልን ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፣ ፖለቲካዊ ፓርትታት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ምሁራትን ኮይኑ ይቕፅል።

ኣተኣኻኻቢን ዘስማዕምዕን ያታ ንምስፋሕ ሞያውያን ሚድያ፣ ኮሙኒኬሽንን ስነ-ጥበብን ዓብዪ ግደ ኣለዎም። ሓድነት ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ምቕራፅ ከምኡ ‘ወን ኣፍራስቲ ፅዕንቶታት ያታ ብፍልጠትን ብሓቅን ምምካት ኣገዳሲ እዩ።

 

Comments (0)
Add Comment