ንሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ኣድላዪ ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓንቲ ፀሓይ እዚ ዓመት ልዕሊ 800 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣድላዪ ምድላው ዛዚመን ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን ይመር ዳውድ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 8 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ብቖራፅነት እናተሰርሐ ይርከብ።

ዝቕፅለ ሰኑይ ኣብ ዝውገን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እውን ኩለመዳይ ረብሓ ዘለዎም ፈልሲታት ንምትካል ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበራ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ልዕሊ 800 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 291 ሺሕን 617 ሄክታር መሬት ዝትከሉ እንትኾኑ÷ ነዚ ድማ 10 ሺሕን 941 ቦታታት ተፈልዮም ኢሎም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 476 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ዝትከሉሎም 191 ሺሕን 290 ሄክታር ዝሽፍኑ 4 ሺሕን 801 ቦታታት ተፈልዮም ኢሎም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 308 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ዝትከሉሎም 68 ሺሕን 872 ሄክታር ዝሽፍኑ 3 ሺሕን 538 ቦታታት ከምዝተፈለዩ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ልዕሊ 9 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 2 ሺሕን 910 ሄክታር፣ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 41 ነጥቢ 3 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 16 ሺሕን 861 ሄክታር፣ ኣብ ክልል ሲዳማ ልዕሊ 10 ነጥቢ 1 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 2 ሺሕ ሔክታር ከምኡ እውን ኣብ ክልል ሶማሌ ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 1 ሺሕን 67 ሄክታር መሬት ንምትካል ተሃቂኑ ኣሎ፡፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፈልሲታት፣ ኣብ ክልል ሃረሪ 300 ሺሕ ፈልሲታት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 535 ሺሕ ፈልሲታት፣ ኣብ ክልል ዓፋር 4 ነጥቢ 1 ሚሊየን ፈልሲታት፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ ልዕሊ 287 ሺሕ ፈልሲታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 1 ሚሊየን ከምኡ እውን ኣብ ድሬዳዋ ልዕሊ 213 ሺሕ ፈልሲታት ከምዝትከሉ ኣብሪሆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment