ንባዕሉ ፅምዶ ብዝብል ዝፅዋዕን ናይ ኲናት ወልፊ ዝተትሓዘ ጉጅለ ኩሉ ክቃለሶ ይግባእ – ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ንባዕሉ “ፅምዶ” እናበለ ዝፅውዕን ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኩሉ ክቃለሶ ይግባእ ኢሉ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ።

ንምልኪ ስርዓት ኤርትራ ንምቅላስ ዝተመስረተ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፤ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያት መግለፂ ሂቡ።

እቲ ግንባር ኣብ መግለፂኡ፤ “ፅምዶ” ኢሉ ንርእሱ ዝፅውዕ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘካይዶ ምንቅስቓስ ንዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዓብዪ ስግኣት ስለ ዝኾነ፤ ኩሉ ብትሪ ከቃወሞን ክቃለሶን ከምዝግባእ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ መሰረት ከም ዘለዎ ዝገለፀ እቲ ግንባር፤ ወልፊ ኲናት ዝዓብለሎ “ፅምዶ” ከም ዘይድግፎ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ናይዚ ጉጅለ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ምክልኻልን ምፍሻልን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ህዝቢ ኤርትራ ብኲናት ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ብምዃኑ፤ ኲናት ከም ዘይጠቕሞን ከም ዘይደልዮን ብምግላፅ፤ ትኹረቱ ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ምምፃእ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ይኹን እምበር “ፅምዶ” ዝብል ሓሳብ ኲናት ዘሰጉምን ንስድራኦም ብግዲ እናገፈፈ ዝወስድን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ጥራሕ ዘይኮነስ ንምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዓብዪ ስግኣት ምዃኑ ገሊፁ።

ብምዃኑ ድማ እቲ ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉ ጉጅለ ብሓባር ክቃለሶ ከም ዝግባእ ዘጠንቀቐ እቲ ግንባር፤ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ብዝምልከት እውን መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዝፀንሐ ውልቀመላኺ ስርዓት፤ ኤርትራውያን ብዙሓት ፈተናታት ከም ዝሓለፉን ሃገር እናሃለዎም ሃገር ከምዘይብሎም ዜጋታት ክነብሩ ከም ዝተፈረዶምን ኣብሪሁ።

ብሰንኪ እቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ዜጋታት ኣብ ከቢድ ድኽነት ክነብሩ ምግባሩ ስዒቡ፤ ብዙሓት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዶም ክነብሩ ከም ዝተገደዱ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

እታ ሃገር ናብ ስርዓት ዴሞክራሲ ንምስግጋር ፅኑዕ ቃልሲ ከም ዘካይድ ዝሓበረ እቲ ግምባር፤ ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ከይትራኸብ ተዓፅያ ዝፀንሐት ዕፁው ኣሰራርሓ ብምፍራስ፤ ምትእስሳራ ናብ እተጠናኽረሉ ምዕራፍ ንምስግጋር ብትግሃት ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

Comments (0)
Add Comment