ንከተማታት ዓለም ኣብነት ዝኾነት ከተማ – ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዲስ ኣበባ ብትሑት ተቃላዕነት ሓደጋ ዘለዋ፣ ድሕንነታ ዝተሓለወን ለውጢ ኩነታት ኣየር ክትፃወር እትኽእልን ከተማ ብምዃን ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ እንትትኾን ካብ ዓለም ድማ ካልአይቲ ከተማ ኮይና ተሰሪዓ ኣላ።

ጂኦስፓሻል ኩባንያ ኣልፋ ጂኦ ብቐንዱ ኣብ ሰለስተ መዐቀኒታት ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ገምጋም፣ ኣካላዊ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተቃላዕነት ሓደጋን ንክፍጠሩ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ዝወሃብ ኣመራርሓን ፖሊሲያዊ ምላሽን ጠመተ ዝገብር እዪ እቲ መዐቀኒ ዝተኻይደ።

ብተወሳኺ ስጉምቲ ምልማድ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሓዊሱ ኣብ ዝተቐመጡ መዐቀኒታት እታ ከተማ ምስ 72 ከተማታት ተወዳዲራ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ንከተማታት ዓለም ኣብነት ኮይና ኣላ።

ኣብ ዓለም ጫፍ ስልጣነ ዝበሃላ ከተማታት ከም ፓሪስን ለንደንን ብምስዓብ፣ ኣብ ዓለም ተቃላዕነት ለውጢ ከባቢ ኣየር እትፃወር ከተማ ብዝብል ካብ ኣሜሪካዊት ከተማ ቺካጎ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።

ኣዲስ ኣበባ ብዓውዲ ልማት ኮሪደርን ልማት ወሰን ሩባን ምንዝን ዘካየደቶ ስራሕን ዝዘርግሐቶም ዘበናዊ መሰረተ ልማታትን ኣብዚ ብርኪ ክትበፅሕ ኣኽኢልዋ እዩ።

ኣዲስ ኣበባ ንዓለም ቀልቢ እትስሕብን ንነበርታ ምውቲ ከተማ ጥራይ ኣይኮነትን፤ ካብ ምቾት ሓሊፋ ትሑት ተቃላዕነት ሓደጋ ዘለዋ፣ ድሕንነታ ዝተሓለወን ለውጢ ኩነታት ኣየር ክትፃወር እትኽእልን ከተማ እያ።

ብዓለም ለኸ ትካል ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋህባ ምስክርነት፣ ንሰብ ሞያ ፖሊሲ ኣውፃእቲ፣ ኢንቨስተራትን ሰብ ሃፍቲ መሰረተ ልማትን ኣብ ምሃብ ሓሳብ ውሳነ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።

ኣብ ዓለም ዝርከባ ከተማታት ቅልጡፍ ወሰኽ ቁፅሪ ህዝቢ እናተቐበላ ይርከባ።

እዚ ብቕልጡፍ ዝውስኽ ቁፅሪ ህዝቢ ሓደሽቲ ድሌታት ዝሓዘ ኮይኑ፤ ብተመሳሳሊ መጠን ድማ ከተማታት ነቶም ዝፍጠሩ ሓደሽቲ ድሌታት ቅልጡፍ ምላሽ ክህባ ይግባእ።

በዙይ ሓሳብ ዝተረኣየ ስራሕ ልማት ሩባታትን ኮሪደራትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ እታ ከተማ ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ክትረክብ እናገበረ ይርከብ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 8 ሩባታት ዝዝርጋሕ 59 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ልማት ዳርቻ ሩባ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ኣሎ።

Comments (0)
Add Comment