ንጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ገብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 24 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ገብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ስለሺ ስህን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ምሸት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር 5 ሜዳሊያታት ወርቂ፣ 4 ብሩርን 6 ነሓስን ብድምር 15 ሜዳሊያታት ብምርካብ ምዝዛማ ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment