ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 24 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ገብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣብቲ ውድድር ሜዳሊያ ወርቂ ንዘመዝገቡ ኣትሌታት 40 ሺሕ፣ ንሜዳሊያ ብሩር 25 ሺሕን ንሜዳሊያ ነሓስ 10 ሺሕ ብር ሽልማት ገንዘብን ወረቐት ምስክርን ተበርኪቱሎም።
ንኣሰልጠንቲ እውን ኣትሌታቶም ከከምዘመዝገቡዎ ዓይነት ውፅኢት ሽልማት ገንዘብ ተዋሂቡዎም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ስለሺ ስህን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ጋና ኣክራ ዝተመዝገበ ዘኹርዕ ውፅኢት ብትኹረት እንተተሰሪሑ ለውጢ ምፍጣር ከምዝከኣል መረአያ ኢዩ።
እናተመሓየሸ ዝመፅአ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኣትሌቲክስ ኣትሌታት ፅቡቕ ውፅኢት ንኸመዝግቡ እናገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር 5 ሜዳሊያታት ወርቂ፣ 4 ብሩርን 6 ነሓስን ብድምር 15 ሜዳሊያታት ብምርካብ ምዝዛማ ይፍለጥ።
ብዳንኤል እንዳለ