ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኢትዮጵያ ምስ ማሌዥያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ምዕዋቱ ኣመልኪቶም ንዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ መልእኽቲ ምስጋናኦም ድማ ኢትዮጵያን ማሌዥያ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ርክብ ዘለወንን ራኢ ምትሕብባር ደቡብ ንደቡብ ዝካፈላን ከምዝኾና ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ማሌዥያ ዘለዋ ሓበራዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምትሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም፡፡