ኢትዮጵያ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብዝገበረቶ ኢንቨስትመንት ሚልዮናት ተረባሕቲ ገይራ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሽላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝተገብረ ኢንቨስትመንት ኣገልግሎታት ጥዕና ብዝበለፀ ናብ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ብምግባር ሚልዮናት ፃባሕቲ ክኾኑ ገይሩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

መበል 76 ጉባኤ ኮሚቴ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባ ኣፍሪካ ኣብ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚደንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ጥዕና ንምዕባይን ንምዝማንን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ሃገራት ዝያዳ ምጥንኻር ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ናይ ዜጋታታ ስርዓት ሓለዋ ጥዕና ብምዝማን ኣብ ተለዋዋጢ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ንዘጋጥሙ ተቓላዕነታት ጥዕና ብርእሰ ዓቕሚ ምላሽ ክትህብ ከምዘለዋ ኣገንዚቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት እዞም ብድሆታት ንኣፍሪካ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ሓባራዊ ድምፃ ንምጥንኻርን ኣብ ጉዳያት ጥዕናኣ ምሉእ በዓፃ ዋና ንምዃንን ታሪኻዊ ዕድል ዝፈጥሩ እዮም ኢሎም።

ኣብ መንጎ ውድብ ጥዕና ዓለምን ማእኸል ቁፅፅርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካን ዘሎ ተግባራዊ ምትሕብባር ክጠናኸር ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣብቲ ጉባኤ ዝመሓላለፉ ውሳነታት ምስ ሸቶታት ኣጀንዳ ኣፍሪካ 2063 ብምትእስሳር ክትግበሩ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ጥዕና ከም ስትራቴጂካዊ ሃገራዊ ኢንቨስትመንት ከምእትሪኦ ብምሕባር፤ ንጥዕና ዝውደብ በጀት ብቐፃሊ እናወሰኸ ከምዝመፅአ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ድማ ብብሄራዊ ኢንቨስትመንት፣ ዞባዊ ምትሕብባርን ኣህጉራዊ ትካላትን ብዘይናወፅ ሓገዝን ናይ ባዕላ ግደ ንምውፃእ ምሉእፃራፅነት ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment