ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፋርማሲቲካልን ሆስፒታላትን ዝሃነፀቶ ዓቕሚ ህንፀትን ቁፅፅርን ካብ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ቁፅፅር መድሓኒት ዓለም ኣፍልጦ ረኺቡ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ምላሽን መብርሂን ኣብ ዝሃብሉ እዋን፣ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተግባራት ተሰሪሖም ኢሎም።
ቅደም ክብል 4 ሚእታዊት ብዝነበረ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምፍራይ መድሓኒት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 44 ክሳብ 45 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ፋርማሲቲካል ሃገራዊ ዓቕሚ ንምህናፅ ናይ ኣፍሪካ ትካል ምርምር ጥዕና ሓዊሱ ሰፊሕ ህንፀት ላቦራቶሪታት ከምዝተካየደ ሓቢሮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዙሓት ትካላት ሕክምና ከምዝተመረቑን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ድማ ተወሳኺ ትካላት ተመሪቖም ኣገልግሎት ከምዝጅምሩ ኣመልኪቶም።
ኢትዮጵያ ሰፊሕ ድሌት ብኽልተ ወይ ሰለስተ ሆስፒታላት ጥራይ ክማላእ ከምዘይከኣል ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ደረጃ ትካላት ሕክምና ንምምሕያሽ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ዓለም ለኸ ብርኪ ዘለዎም ማእከላት ሕክምና ምህናፅ ቀንዲ ሸቶ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት