ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኢትዮጵያ ኣቦ መንበርነት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ምትእስሳር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ግብፂ ተረኪባ፡፡
ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረ መበል 37 ፍሉይ ኣኼባ ስቲሪንግ ኮሚቴ ምትእስሳር ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እውን ቀፂሉ ውዒሉ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፤ ኣብቲ ጥምረት ሕጊን መሰረታዊ ስምምዕን ብዘይ ፍልልይ ክኽበር ከም ዘለዎ ኣፅንኦት ሂቦም።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣብ ስግግር ኣቦ መንበርነት ፍልልያት ከም ዝነበሩ ብምፅራሕ፤ ብመሰረት እቲ ሕጋዊ ቅደም ሰዓብ ኢትዮጵያ መሪሕነት ምርካባ ልዕልነት ሕጊ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ካብ ሓደ ንላዕሊ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣብ ምምዳብን እቲ ዕዳጋ ኦፕሬተር ኣተኣናጋዲት ሃገር ምስ ምምራፅን ተተሓሒዞም ዝተፈጥሩ ሕጋዊ ዘይምርድዳኣትን ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ኮሚቴ ኣመራርሓ ስራሕ ብምሉእ ዝተሰማምዐሉ ምኽረ ሓሳብ ውሳነ ከምዘቕረበ ተሓቢሩ።
ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ምኽረ ሓሳብ ብምፅዳቕ ናይቲ ዞባ ዕዳጋ ኤሌክትሪክን ሓድነትን ንኽጠናኸር ፀዊዖም።
ኢትዮጵያ ኣባላት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ሓይሊ ምትእስሳር ዕዳጋ ኤሌክትሪክ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንኽኣቱ ፃውዒት ምቕራባ እውን ይዝከር።
ብዘቢብ ተኽላይ