ንፅባሕ መሰረት ናይ ሎሚ ሓምለዋይ ኣሰር

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝቕፅል ሰኑይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብሓደ ልቢን ብሓደ መንፈስን ንሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ዝለዓሉሉ ታሪኻዊ መዓልቲ እዩ።

እቲ ዝተትሓዘ ጎስጓስ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ፣ ንወለዶታት ዝሰጋገር ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ምንፃፍን መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ንምልዋጥን ዝዓለመ ዓብዪ ሃገራዊ ጎስጓስ እዩ።

ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ወፂኦም ብዝፍፅምዎ እዚ ጎስጓስ፣ ሃገራዊ ሓድነቶም ብተግባር ካብ ምግላፅ ሓሊፉ ንክሌማዊ ለውጢ ተግባራዊ መልሲ እንህበሉ መድረኽ ቆራፅነት እውን እዩ።

መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኣሰር ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ሃገርና ጭቡጣት ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ።

ዝዓረቑ መሬታት እንደገና ክሓውዩ፣ ምጉሕጓሕ ሓመድን ሓደጋ ውሕጅን ክንኪ፣ ከምኡ እውን ማይ ከርሰ ምድረ ክውስኽ ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ክሌማዊ ለውጢ ብምርግጋእ ዑደት ዝናብ ኣብ ምምሕያሽ እናመዓራረየ ስለዝርከብ ፍርያት ሕርሻን ክውስኽን ውሕስነት ምግቢ ክረጋገፅን ፅኑዕ መሰረት የንብር ኣሎ።

ምስዚ ተተሓሒዙ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከባቢ ምሕላው ጥራሕ ዘይኮነስ ንቑጠባ ሃገርና ዘነቓቕሕ ልዑል ዕድል እንትኸውን፤ ኣብቲ ከይዲ ተኸላ ፈልሲ ዝሳተፉ ብሚልየናት ዝቑፀሩ መናእሰይ ኣብ ምፍላስ ፈልሲ፣ ምድላው ጎዳጉዲን ስራሕቲ ምትካልን ብምስታፍ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ይረኽቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ እወን ኣብዚ ሕዚ እዋን ትኹረት እናተውህቦም ዝርከቡ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ከም ቡን፣ ኣቮካዶ፣ ማንጎን ካልኦት ተኽልታትን ንሓረስቶት ተወሰኽቲ ፍልፍል እቶት ብምዃን መነባብሮ ስድረኦም እናመሓየሹ መፂኦም።

ሎሚ እንተኽሎ ፈልሲ፣ መፍረያይነት ብምውሳኽ ፅባሕ ናብ ዓብዪ ቁጠባዊ ረብሓ ይልውጥ።

ይኹን እምበር፣ ናይዚ ወፍሪ ሓቀኛ ውፅኢታውነት ዝልካዕ ፈልሲ ብምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ድሕሪ ምትካል ብዝግበር ቀፃሊ ክንክንን ሓለዋን እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝተኸሎ ፈልሲ ብምክንኻንን ብምሕላውን ክዓቢን ንፍረ ክበቅዕን ናይ ባዕሉ እጃም ክዋፃእ ኣለዎ።

ዜጋታት ንፅባሕ ፅብቕቲ፣ ሓምለወይቲን ለምለምን ኢትዮጵያ ሎሚ መሰረት ከንብሩ ይግባእ። ሎሚ እንተኽሎ ፈልሲ፣ ንዝቕፅል ወለዶ እነረክቦ ውህብቶ እዩ።

ብሃይለየሱስ መኮንን

Comments (0)
Add Comment