ኣሜሪካን ኢራንን ኲናት ደው ንምባል ተስማዕሚዔን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካን ኢራንን ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዘኽእለን ስምምዕነት በፂሐን።
ነተን ክልቲአን ሃገራት እትሽምግለን ዘላ ፓኪስታን እቲ ስምምዕ ኣብ ዝመፅእ ዓርቢ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዝፍረም ኣፍሊጣ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብመሰረት ስምምዕነት ወሽጥ ሆርሙዝ ከምዝኽፍት ብምሕባር፤ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ዋጋ ነዳዲ ከምዝነከየ ኣረዲኦም።
ሰብ መዚ ኢራን ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ዝተበፅሐ ስምምዕ ንቴህራን ዓወት ምዃኑ እዪ ኢሎም።
እቲ ስምምዕነት ሙሉእ ሓሳብ ክሳብ ሕዚ ዕላዊ ዋላ ኣይኹን ቅድሚ ሕዚ ዝተበፅሐ ምቁራፅ ተኹሲ ክናዋሕ፤ ተወሳኺ 60 መዓልታት ውግእ ከምዘይህሉን ክልቲኦም ወገናት ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘካይዱን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ብብርሃኑ ኣበራ
Comments (0)
Add Comment