ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ምስ ኣብ ዘካየደቶ ኲናት ክሳብ ሕዚ 25 ቢሊየን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ከምዘውፀአት ተሓቢሩ።
ሮይተርስ ላዕለዋይ በዓል መዚ ወታደራዊ ቤት ዕዮ ኣሜሪካ ፔንታገን ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ፤ መብዛሕትኡ ወፃኢ ንጦር መሳርሒ ዝወፅአ ኢዩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝወፅአ ሓበሬታ ኢራን በቲ ኲናት 145 ቢሊየን ዶላር ከምዘውፀአት ተገሊፁ ነይሩ።
እቲ ኲናት ምስተጀመረ ኣብ ዝነበሩ 6 መዓልቲታት ጥራሕ ሰብ መዚ ፔንታጎን 11 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ወፃኢ ከምዝተገበረ ምግላፆም ይዝከር።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኲናት ንምዝዛም ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘቕረበቶ መደራደሪ ነጥቢ ብፍላይ ኢራን ስምምዕነት መርሃ ግብሪ ኒውክሌር ንኽዝንግዕ ዝሓትት መደራደሪ ነጥቢ ሕጉስ ከምዘይኮኑ ተፈሊጡ።
እዚ ድማ እቲ ኲናት ንኽዛዘም ኣብ ዝግበሩ ድርድራት ዕንቅፋት ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብብርሃኑ ኣበራ