ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስምምዕነት ኣፍሪሶም ዳግም ናብ ጎንፂ ዝተመልሱ ዋሽንግተንን ቴህራንን ጎንፀን እናተባብሰ ይቕፅል ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣሜሪካ ኣብ ኢራን እትፍፅሞ ዘላ መጥቃዕቲ ንሻድሻይ ተኸታታሊ ምሸት ቀፂላ ከቢድ መጥቃዕቲ ፈፂማ።
ኣብ ደቡባዊ ኢራን ዝርከቡ ሰብ መዚ ከምዝገለፅዎ፤ መፍረዪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ናይ ባቡር መደበራትን ካልኦት ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓታትን ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ኮይኖም ኣለዉ።
ክልቲኦም ወገናት ንወሽመጥ ሆርሙዝ ንምቁፅፃር ከቢድ ቃልሲ እናካየዱ እንትኾኑ፤ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ኢራን ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ትፍፅም ኣላ።
ብእመቤት ሲሳይ