ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ንዩክሬን ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ንምጥንኻርን ተዛመድቲ ደገፋት መሳርሒታትን ብ108 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ንምሻጥ ኣፅዲቓ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዘፍለጦ፤ መሸጣ ወታደራዊ ናውቲ ንናይ ኤችኤደብሊውኬ (HAWK) ዝተብሃለ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ዩክሬን ዝድግፍ ምዃኑ ገሊፁ።
እቲ ስምምዕ ንፅገና፣ መለዋወጢ ናውቲ፣ ናይ ምህንድስናን ሎጂስቲክስን ደገፍ ዘጠቓልል ምኳኑ ተገሊፁ እዩ።
እዚ ስምምዕ ዓቕሚ ምክልኻል ኣየር ዩክሬን ዘሐይል ምዃኑ ኬይቭ ፖስት ፀብፂቡ።
ብብርሃኑ ኣበራ