ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሻድሻይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ንሊድስ ዩናይትድ 2 ብ1 ስዒራ።
ሎሚ ሰዓት 8፡30 ኣብ ስታድየም ኢሚሬትስ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ሊድስ ዩናይትድ ኣብ 55 ደቒቕ ሽቶ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ሽቶ ኣመዝጊባ ክመርሕ እኳ እንተኸኣለት ብሚኬል ኣርቴታ ዝምራሕ ጋንታ ኣርሰናል ውፅኢቱ ብምግልባጥ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ክትወፅእ ክኢላ።
ኣብቲ ፀወታ፣ ጄምስ ጀስቲን ንሊድስ ዩናይትድ ሽቶ ክተምዝግብ ከላ፣ ሪካርዶ ካላፊዮሪን ብሩኖ ጊማሬስን ድማ ንኣርሰናል ዘድልያ ሽቶታት ኣመዝጊባ።