ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብኹሉ መዳይ ብዝሰርሐቶም ስግግራት ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ እናመዝገባ ካብ ዝርከባ ሃገራት ቅድሚት ትፅራሕ ክትከውን ክኢላ እያ።
ነዚ ዕዉት ናይ ለውጢ ስግግር፤ መንግስቲ እናተኸተሎ ዝርከብ ኣምር መደመር ውሽዊ ዓቕሚ ምስ ዘበናዊ ፍልጠት ብምውዳድ ሓዱሽ ሃገራዊ ምዕራፍ እናሓንፀፀ ይርከብ።
ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ምስሊ ከተማን ኢትዮጵያ እናቐየሩ ዝርከቡ ሜጋ ፕሮጀክታት ድማ መንግስቲ መደመር ብተግባር ዝተርኣየሎም መግለፂታት እዮም።
እዞም ፕሮጀክታት ናይ ሓፂር እዋን ስራሕቲ ልምዓት ዘይኮኑስ ንኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምስሊ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ክልውጡ ዝኽእሉ ታሪኻዊ ውፅኢታት እዮም።
ከምኡ እውን ንሓሳብ መደመር ናብ መሬት ዘውረዱ ዓምዲታት ብልፅግና እዮም። ካብዞም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ድማ ንልምዓት ኢንዱስትሪን ከተማታትን መሰረት ዝኾነ ቀረባት ሓይሊ ተፀራሒ እዩ።
ኣብቲ ዓውዲ ኢትዮጵያ ብርእሳ ዓቕሚ ካብ ዘዕወተቶ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ፕሮጀክት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ናወገነት ትርከብ።
መደመር ንዓቕሚ ጂኦ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዓምዲታት ሃገር ኣብ ምዕባይ ዘድሀበ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ማእኸል ኣቪዬሽን ዘለዋ ቦታ ንምጥንኻር፣ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብልዑል ቅልጣፈን ፅሬትን ትሃንፅ ኣላ።
እቲ መዕርፎ ነፈርቲ 12 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ወፃኢ ዝውድእ ኮይኑ፤ ብዓመት ክሳብ 110 ሚልዮን መገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ክህልዎ እዩ።
ብኻልእ መዳይ ድማ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ንምዕባይ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ከባቢ ጎዴ ዝህነፅ ፕሮጀክት ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ ሓንፂፃ እያ።
እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 3 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ዩሪያ ብምፍራይ፣ ኢትዮጵያ ንዘበናዊ ዱኽዒ እተውፀኦ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ንምውጋድ ዝሕግዝ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኦጋዴን ዝርከብ ፕሮጀክታት ተፈጥሮኣዊ ጋዝን መፅረዪ ነዳዲን፤ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግሩ እዮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ክልላትን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ድማ ፅባቐ ከተማን ተረባሕነት ህዝቢን ብሓዱሽ መልክዑ ዝሓንፀፀ ስራሕ ኮይኑ፤ ካልእ ጭቡጥ ለውጢ ዝተርኣየሉ ፕሮጀክት እዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰፊሕ ቦታ እናተሰርሐ ዝርከብ ፕሮጀክት ጫካ፣ ሓድሽ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ፣ ሰብ ሰራሕ ቃላይን ዘበናዊ መንደራት መንበሪን ዝሓዘ ኮይኑ፤ ንመፃኢት ዘመናዊ ከተማ ኢትዮጵያ ስነ-ህዝባዊን መንግስታዊ ማእኸልነት ኢትዮጵያ ዘርኢ መልክዓ ምድሪ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየዱ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ብምቅልጣፍ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፁን ኣፍሪካውያን ብዓቕሞም ዕላማታቶም ንምዕዋት ከምዝተበገሱ ዘርእዩ እዮም።
እዚ ድማ መንግስቲ መደመር ብተግባር ባይታ ዝሃዙ ጭቡጣት ስራሕቲ እናካየደ ከምዝርከብ ዘርእዩ ምስክራት እዮም።
እዞም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመሩን ጉዕዞ ምብራኽ ሃገር ዘረጋግፁን ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተዛዚሞም ንኣገልግሎት ክበቕዑ ዜጋታት ብገንዘብ፣ ብሓሳብን ሰላም ብምጥናዕን ሓገዝ ክገብሩ ይግባእ።
ብሶስና ኣለማየሁ