ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ንሌብነት ዝተመቸወ በሪ ኣብ ምዕፃው ዘድሀበ ትልሚ ልምዓት ሓንፂፁ ጠንቂ ልምዓት ሃገር ዝኾነ ግዕዝይና ንምውጋእ ንዓመታት እናሰርሐሉ ፀኒሑ እዩ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ንሌብነት ዝተመቸወ ክፉት በሪ ገዲፍካ ኣይትስረቑ ብምባል ጭቡጥ ውፅኢት ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፤ ሌብነት ንሃገር ክባር ዋጋ እናኽፈለ ፀኒሑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓደ እዋን ብዛዕባ ግዕዝይና ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ስርቂ ምውጋእ ሓደ ሩባ ከም ምስጋር ዝግበር ጉዕዞ መሲሎም ኣቕሪቦምዎ ነይሮም።
በዚ ድማ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ብምዃን ካብዚ ናይ ስርቂ ውሕጅ ዘሳግር ድልድል ከምዝህነፅ ቃል ኣትዮም ነይሮም፤ እዚ ድማ ዜጋታት ብውልቃዊ ፃዕርን ብጉጅለ ቃልስን ጥራይ ዘይኮነስ ብዝተጠናኸረ ድልድል ብነፃነት ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘኽእል እዩ።
ዓለም ለኸ ትካል ፀረ ግዕዝይና ከም ናይ ሲንጋፖር ዝኣመሰሉ ተመኩሮታት ከም ኣብነት እንተቕርብ፤ ሲንጋፖር ብኸመይ ከም ዝዓበየትን ግዕዝይና ብኸመይ ከም ዘወገደትን መብርሂ ይህብ።
ጉዕዞ ሲንጋፖር ዓመታት ብዝወሰደ ፃዕሪ ውፅኢት ክህብ ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት፤ ኩሎም ምዕራፋት ለውጢ ብዲጂታላዊ መሰረተ ልምዓት ብምምራሕን ንምፍፃም ዘኽእል ሕጊ ብምድላውን እዩ ይብል።
ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ቅድሚ ዓመታት በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተኣተወ ቃል ድልድል ንምህናፅ ዝተጓዓዘቶ ርሕቐት ክግምገም እንትፍተሽ ናይ ብሓቂ እውን ናይ ሌብነት በሪ ኣብ ልዕሊ ለያቡ ዝተሸንከረ ኮይኑ እዩ ምባል ይከኣል።
ሎሚ ሓደ ጉዳይ ንምፍፃም ኣብ መዓልቲታት ሰሙናት ብዝተበታተነ ምዕራፍ ኣገልግሎት ክሳቐ ዝነበረ ሕብረትሰብ፤ ኩነታት ተቐይሩ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ኣገልግሎት ክረኽበሉ ዝኽእል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ጋህዲ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 መውሀቢ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ተኸፊቶም ናይ ማሕበረሰብ ዕግበት ኣገልግሎት ብተግባር ኣረጋጊፆም እዮም።
እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት ንሌብነት ዝምቹ በሪ ብጥብቂ ዝዓፀዉ ድልድላት ሓደ ቀንዲን ኮይኑ እዩ።
እዚ መንግስታዊ ኣገልግሎት ካብ ሌብነት ንምንፃልን ለያቡ ንዘይሕዊ ተግባራቶም ክጥቀሙሉ ዘኽእሉ ክፍተታት ንምዕፃው ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ውልቃዊ ዘፈር እውን ዝሰዓበ ተመኩሮ እናርኣየ ይርከብ።
ነዚ ንምፍፃም ዝውዕል ካብ ግዜን ገንዘብን ንላዕሊ ዋና ሃፍቲ ዝኾነ ፋይዳ ዲጂታል ሃገራዊ መንነት ክሳብ ሕዚ ብምሉእ ዘይተሸረፈ ዓቢዪ ፀጋ ኮይኑ ቅድሚት ተቐሚጡ ኣሎ።
እዚ ናይ ሌብነት በሪ ካብ ምዕፃውን ለያቡ ክሳብ ምህዳን ዝዘልቅ ህንፀት ዲጂታል መሰረተ ልምዓት እቲ ዓውዲ ንፁህን ውፅኢታዊን ምግባር፤ ተሓታትነት ለያቡ፣ ሃፍቲ ሃገርን ህዝቢን ክሳብ ምሕላው ዝተዘርገሐ መርበብ እዩ፡፡
ነዚ መእሰሪን መጠቓለሊን ዝኸውን ድማ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1364/2017 ፀዲቑ ተግባራዊ ዝተገበረ ኣዋጅ ምምላስ ንብረት እዩ፡፡
ንህዝቢ ካብ ሌብነት ንምድሓን ዝተኣተወ ቃል ድልድል ብምህናፅ ብተግባር ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፥ ለያቡ ይኽዝኑ እምበር ኣይበልዑዋን ዝበሉዋ ዘረባ ጋህዲ ዝገብር እዩ፡፡
ብኣሸናፊ ሽብሩ